ቻድ: ንመራሒ ሚሊሻ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ዓለምለኸ መጋባእያ ገበናት ኣረኪባ

ቻድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ቻድ፡ ንመራሒ ሚሊሻ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ [CAR] ናብ ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበናት [ICC] ኣረኪቡ።

ማክሲም ጂኦፍሪ ኢሊ ሞኮም፡ መራሒ ኣንቲ-ባላካ ብዝብል ዝፍለጥ ሚሊሻ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ 2013ን 2014ን ኣብቲ ከባቢ ንዝተፈጸሙ ገበናት ተጠርጣሪ እዩ።

ኣብ 2018 ኣብ ዝተረኸቦ ክተሓዝ ናይ ክሲ ዋራንት [ትእዛዝ ] ወጺእሉ።

'ኣይ-ሲ-ሲ'፡ ወዲ 43 ሚሰተር ሞኮም ብምጽናት ዓሌት፣ ብኣስገዳድ ማሕበረሰባዊ ፍልሰት፣ ከምኡ’ውን ንውትህድርና ህጻናት ምምልማልን ንጥቕዓት ምቅላዕን ዝብሉ ክስታት ከምዝቐረብሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ከተማ ሄግ ዝመደብሩ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ፡ ሚስተር ሞኮም ቅድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ፡ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ምዃኑ ክረጋገጽ እዩ - ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

ኣብ ሴንትራል ኣፍሪቃ፡ ዓመጻት ዝተሓወሶም ናዕቢታት ኣብ መገቢት 2013፡ ሰለካ ዝበሃሉ ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ስልጣን መስ ሓዙ እዩ ጀሚሩ።

ናታቶም መግዛእቲ እዩ ነቶም ክርስትያን ሚሊሻ፡ ኣንቲ-ባላካ [ኣንጻር-ባላካ] ብዝብል ብረታዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ጠንቂ ኮይኑ።

.ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2013 ልዕሊ 8 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪ ገዛውቶም እንትመዛበሉ፡ ኣሻሓት ከምዝተቐትሉ እዩ ዝእመን።

ካብ ክልቲኦም ጉጅለታት፡ ብዙሓት መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝተፈጸሙ ገበናት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ይዝረብ።

ወተሃደራት ቻድ፡ ኣብታ ሃገር ከም ዓቀብቲ ሰለም ኮይኖም የገልግሉ እንተነበሩ’ኳ፡ ደሓር ነቶም እስላማዊ ዕጡቓት ይውግኑ እዮም ተባሂሎም ምስ ተኸሰሱ፡ ክእለዩ ተገይሩ።