ደሃይ 41: ዓብዱራሒም ዓብዱልዓዚዝ ካብ ዓመጽ ሓረስቶት ባሌ ክሳብ ቃልሲ ንፍትሒ ህዝቢ ቻድ

አብዱራሂም አብዱልዓዚዝ

ምንጪ ስእሊ, አብዱራሂም አብዱልዓዚዝ

ዓብዱራሒም ዓብዱልዓዚዝ እበሃል። ኣብ ዞባ ባሌ ከተማ ድሬ'የ ተወሊደ ዓብየ። ኣብ ሃረር ንነዊሕ እዋን ተቐሚጠ'የ። ኣብ እዋን ንጉሳዊ ስርዓት እየ ሃዲመ ወጺአ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ባሌ ከቢድ ኵናት ነይሩ። ብዙሕ ንብረት ዓንዩ፣ ሰባት ሞይቶም፣ ብዙሓት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

ሽዑ ቆልዓ 12 ዓመት'የ ነይረ። ኮይኑ ግና ነቲ ስርዓት ንምቅላስ ኣነ'ዉን ኣብቲ ዝነበረ ወፍሪ ዘሚተ።

ኣብዚ ግዘ ናብ ከባቢታት ባሌ፣ ሃረር፣ ወለጋን ኣዲስ ኣበባን ተዘዋዊረ። ካብ ሃገር ወጻኢ ድማ ኣብ ሶማልያን ሱዳንን ስልጠናታት ቃልሲ ወሲደ።

ቻድ-ሊቢያ-ኔዘርላንድ

ካብ ሱዳን ናብ ቻድ'የ ከይደ። ተሰዲደ ኣብ ቻድ ኣብ ዝነበርኹሉ እዋን መንግስቲ ሊቢያ ኡራ ዝበሃሉ ኣህዛብ ቻድ ይዉጽዕ ስለዝነበረ፡ ነዚ ብምቅዋም ተመሊሰ ናብ ቃልሲ ኣትየ።

ኣብ እዋን ቃልሲ ብመንግስቲ ሊቢያ ተማሪኸ። ኣብ ሊቢያ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ጸልማት ጉድጓድ ተኣሲረ። ኣዝዩ ከቢድን መሪርን ግዘ እየ ኣሕሊፈ።

ምስተፈታሕኹ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናብ ኣዉሮጳ፡ ኔዘርላንድስ ከይደ። ሕጂ ኣብ ናይሜጋን ዝተብሃለት ከተማ ሆላንድ እየ ዝነብር።

ባህላዊ መግቢ ''ኢስታንፖት''

ምንጪ ስእሊ, Abdulrahim Abdulraziz

ህዝቢ እዛ ሃገር ፈታዊ ስራሕ'ዩ። ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ዝዝዉተርን ዝፍቶን መግቢ ካብ ድንሽን ካሮትን ዝስራሕ "ኢስታንፖት" ዝተብሃለ ባህላዊ መግቢ'የ ዝፈቱ።

ኣብዚ "ዋል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ምዝዋር ይፈቱ። እዚ ናይ ወደብ ከባቢ እንትኾን ሰባት ካብ መርከብ እንትወርዱ፣ መራኽብ ባሕሪ ድማ ብርሕቐት ምርኣይ የሐጉሰኒ።

ሓምለዋይ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, አብዱራሂም አብዱልዓዚዝ

ናብዚ ሃገር ምምጽአይ ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ሂቡኒ'ዩ። ኾይኑ ግና ብሕታዉነት ከቢድ'ዩ። ሰባት ኣብ ሓደ ከባቢ ይነብሩ እምበር ነንሓድሕዶም ኣይላለዩን።

ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ ዝርከብ "ላይ" ዝተብሃለ ቦታ ኣዝዩ ልሙዕ'ዩ።

ናብዚ ሃገር ምስ መጻእኹ ምልማድ ኣብዩኒ ዝነበረ፡ ዕርቃኖም ዝኸዱ ሰባት እንትርእይ ዝፈጥረለይ ዝነበረ ድንጋጸ'ዩ።