ፈረንሳ ምስ ማሊ ዝነበራ ወተሃደራዊ ርክብ ኣወንዚፋቶ

ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክልተ ወተሃደራዊ ዕልዋታት መንግስቲ መሪሑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክልተ ወተሃደራዊ ዕልዋታት መንግስቲ መሪሑ እዩ

ኣብ ማሊ፡ ድሕቲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ፈረንሳ፡ ምስ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማሊ ዝነበራ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሰሪዛቶ።

ኣብ ማሊ ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ዘረክብ፡ ምቁራፅ እቲ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከምዝቕፅል ድማ ተገሊፁ።

ፈረንሳ፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝርከቡ ዕጡቓት ሓልታት ንምውጋእ፡ ኣብ ሃገራት ማሊ፣ ቻድ፣ ሞሪታንያ፣ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ወተሃደራታ ኣዋፊራ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ 25 ጉንበት እቲ ሓያል ወተሃደራዊ መራሒ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ንሲቪላዊ ፕረዝደንት እታ ሃገር ባህ ንዳውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሞክታር ኦዋነን ካብ ስልጣኖም ገሊፍዎም እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ከኣ፡ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን (ኤኮዋስ) ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንማሊ ካብ ኣባልነት ኣልዮማ።

ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ፡ ውሳነ ኢኮዋስን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ማሊ ክህሉ ዝግባእ ፖለቲካዊ ስግግር መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስተር፡ "እዞም መረጋገፅታት ክሳብ ንረክብ፡ ፈረንሳ ንግዚኡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ማሊ ተካይዶ ዝነበረት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ክትስሕብ ወሲና" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን'ውን፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ኣብ ማሊ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ነታ ሃገር ናብ እስላማዊ ኣኽራርነት ዝመርሓ እንተድኣ ኮይኑ፡ ፈረንሳ ወተሃደራታ ካብ ማሊ ከምተውፅእ ምጥንቃቑ ይዝከር።

ይኹን'ምበር ሰራዊት ፈረንሳ ካብቲ ዞባ ጠቕሊሉ እንድሕሪ ወጺኡ፡ ኣብቲ ከባቢ እስላማዊ ጉጅለታት ብሰፊሑ ምንቅስቓስ ከይጅምሩ ይስጋእ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል 5100 ወተሃደራት ኣዋፊራ ትርከብ ፈረንሳ፡ ንብዙሓት ዓመታት እስላማዊ ዕጡቓት ክትዋጋእ ፀኒሓ እያ።

ፈረንሳ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእታ ዝነበራ ሃገራት፡ ኣብዘን ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር ምፅንሓ ይፍለጥ።

ዝበዝሕ ግዘ ከኣ፡ ወተሃደራታ ብምልኣኽን፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ደብዳብ ኣየር ክትገብር ጸኒሓ።

ኣብ ማሊ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክልተ ግዘ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ ቻድ ድማ ሓደ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ።

ኣብ ማሊ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ሕገ-መንግስታዊ ቤት-ፍርዲ ማሊ፡ ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ንዝመርሐ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ መሰጋገሪ ፕረዚደንት ጌሩ ሰይምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክልተ ግዘ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምግባር ስልጣን ዝሓዘ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ጎይታ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግዝያዊ መራሒ ማሊ ከምዝኾነ ብወግዒ ኣዊጁ።

ፕረዚደንት ባህ ንዳውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞክታር ኦዋነን፡ ግቡኦም ስለዘይፈፀሙን ናይታ ሃገር ስግግር ንምዕንቃፍ ስለዝፈተኑን ብዝብል፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዝገለፎም እዩ፡ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ዝገልፅ።

ካቢነ ማሊ ምቅይያር ምስገበረ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ንፕረዝደንት እታ ሃገር ዝነበረ ባህ ንዳውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞክታር ኦዋነን ኣሲረሞም ይርከቡ፤ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ዘማኸረኒ ኣይነበረን ኢሉ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ'ውን ዝመርሐ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ብመረፃ ኣብ ስልጣን ንዝነበረ ፕረዝደንት ቡባከር ኬይታ ከምዝዓለዎ ይዝከር።

ኣብ ሒደት መዓልታት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝሽየም ቃል ዝኣተወ ወተሃደራዊ መራሒ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ኣብ ማሊ ክካየድ ዝተተለመ ሃገራዊ መረፃ 'ውን ኣቐዲሙ ብዝተትሓዘ ትልሚ መሰረት፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ከምዘካየድ ገሊፁ።