ማሊ፡ ፈረንሳ ኣብ ማሊ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይሊ ኣየር ፈረንሳ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ማሊ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ኣብ መርዓ ዝሳተፉ ዝነበሩ 19 ሰላማውያን ሰባትን 3 ዕጡቓትን ከምዝቐተለ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ግን፡ እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ "ንዕጡቓት ኣሸበርቲ ዒላማ ዝገበረ'ዩ" ክብል ነጺግዎ'ሎ።
ፈረንሳ፡ ነቲ እስላማውያን ንዕጡቓት ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ንምግታእ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ልዕሊ 5000 ወታሃደራት ኣዋፊራ ምህላዋ ይፍለጥ።
ነበርቲ ኣብ ማእከላይ ማሊ እትርከብ ባውንቲ እትብሃል ዓዲ፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ብሄሊኮፕተር ዝገበርዎ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከምዝዓለበ ብተደጋጋሚ ክኸሱ ምስ ጀመሩ'ዩ ሕቡራት ሃገራት ከጻርዮ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኤኤፍፒ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ "እቲ ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ ኣስታት 100 ሰለማውያን ሰባት ኣብቲ መርዓ ነይሮም" ኢሉ።
እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ሓሙሽተ ዝኾኑ ጅሃዳውያን ዕጡቓት'ውን ኣብቲ መርዓ ምንባሮም ብምጥቃስ "እቶም በቲ ደብዳብ ዝተሃሰዩ ዝበዝሑ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክሕለዉ ዝግብኦም ሰለማውያን ሰባት እዮም" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ እቲ ደብዳብ ንዕጡቓት ጅሃዳውያን ዕላማ ገይሩ ከምዝሃረመን ኣብቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተጠቐመሉ ናይ ምጽራይን ምምርማርን መስርሕ ዕቓበታት ከምዘለዎን ገሊጹ ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጽናዕቲ በቶም ኣብ ማሊ ዘለዉ ኣባላት ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ገይሩ ከምዘካየዶ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ መጽናዕቲ ከካይድ እንከሎ፡ ሕሉፍ ስእሊ ናይ ሳተላይት ብምዕዛብ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናብቲ ቦታ ብምኻድን ንልዕሊ 400 ሰባት ቃለ መሕተት ብምግባርን'ዩ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







