ጆርጅ ፍሎይድ፡ ናይ ዓይኑ ምስክር፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ምስ ተረግጸ ህይወቱ ብስቓይ ከምዝሓለፈት ገሊጹ

ኣብ መንደቅ ዝተቀብአ ስእሊ ጆርጅ ፍሎይድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጻዕዳ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን ንጆርጅ ፍሎይድ ብብርኩ ኣብ ክሳዱን ሕቑኡን ምስ ረገጾ ጆርጅ ፍሎይድ ብስቓይ ከምዝሞተ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

እቲ ዶናልድ ዊልያም ሳልሳይ ዝተብሃለ ናይ ዓይኒ ምስክር ንመጋባእያ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቃል፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ኣብ ክሳዱን ሕቑኡን ተረጊጹ ዘሕለፈን ትሽዓተ ደቃይቕ ናይ ስቃይ ደቃይቕ ምንባረን ብምሕባር፡ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ ብስቃይን ብዘገምታን ናብ ሞት ከምዘምረሐት ምስክርነቱ ሂቡ።

ጠበቓ ድሬክ ቻውቪን ብወገኑ፡ እቲ ሓይሊ ምጥቃም "ኣድላዩ እኳ እንተነበረ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።

ብዙሓት ነቲ ውዕሎ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዓሌታዊ ቃልሲ ከም ሓደ ነጥበ-መቐይሮ'ዩ ኢሎም ገሊጾምዎ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ግንቦት ዘጋጠመ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ጻዕዳ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን ንጆርጅ ፍሎይድ ብብርኩ ኣብ ክሳዱን ኣብ ሕቖኡን ረጊጽዎ፡ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ እናሓለፈት እንከላ ብዙሓት ሰባት ብቀጥታ ነቲ ኩነት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዝርግሕዎ ነይሮም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሚንያፖልስ ዝተፈጸመ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ መላእ ኣመሪካን ዓለምን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝገብርዎ ግፈዕታት ብምቅዋም ሓያል ናዕቢ ኣለዓዒሉ ነይሩ።

ወዲ 45 ዓመት ዝኾነ ጻዕዳ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን፡ ድሕሪ እዚ ፍጻመ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ክሳብ 40 ዓመት ክእስሮ ዝኽእል ክሲ ቅትለት ተመስሪትዎ'ሎ።

ኣብቲ ፍጻመ ምስ ድሬክ ቻውቪን ዝነበሩ ቴኣዋ ታኦ፡ ጀይ ኣሌክሳንደር ክዩንግን ቶማስ ላንን ዝተባሃሉ ፖሊስ'ውን ብምትሕብባር ተኸሲሶም ኣብዚ ዓመት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም።

ኣብቲ ቤት ፍርዲ ካልእከ እንታይ ተባሂሉ?

ምስክር ኮይኑ ዝቐረበ ወዲ 33 ዓመት ዶናልድ ዊልያምስ፡ ዕለት 25 ግንቦት፡ እቲ ቅትለት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከም ዝተፈጸመ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ናብቲ ዝሓሰቦ ድኳን ምእታው ኣቋሪጹ፡ ናብቶም ንጆርጅ ፍሎይድ ንድሕሪት ኣሲሮም ኣብ መሬት ጸጢሖም ረጊጸሞ ዝነበሩ ፖሊስ ብምቅራብ ጆርጅ ፍሎይድ ሕማቕ ከምዘሎን ትርግትኡ ክፍትሽዎን ከምዝተማሕጸኖም ገሊጹ።

ጆርጅ ፍሎይድ ልክዕ ከም ኣብ ክሻ ዝኣተወ ዓሳ ትንፋሱን ምንቅስቓሱን ቀስ እናበለ ይዝትሕል ነይሩ ድማ ኢሉ።

"ኣዒንቱ ቀስ እናበላ ይግልበጣ ነይረን ብኸምዚኣ ኸኣ እታ ህይወቱ ሓሊፋ" ኢሉ።

እቲ መስርሕ መጋባእያ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ፈራዶ፡ ጠበቓን ኣኽበርቲ ሕግን ነታ ትሽዓተ ደቂቕ ንውሓት ዘለዋ ወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ ብብርኪ ፖሊስ ኣብ ክሳዱን ሕቖኡን ተረጊጹ ህይወቱ እናሓለፈት እተርኢ ቪድዩ እዮም ተዓዚቦማ።

ኣኽባሪ ሕጊ ጄሪ ብላክዌል፡ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብታ ቪድዮ 27 ግዜ 'ከተንፍስ ኣይከኣልኩን' ከምዝበለ ገሊጹ።

ጄሪ ብላክዌል ብምስዓብ "ድሬክ ቻውቪን እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ ክስዕብ ዝኽእል ሳዕቤን ከየመዛዘነ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ባህሪ እዩ ኣርእዩ" ኢሉ።

ጠበቓ ኤሪክ ኔልሶን ብወገኑ "እቲ ዘሎ መርትዖ ልዕሊ እታ ቪድዮ ዘለዋ 9 ደቂቅን 29 ካልኢት ንውሓት እዩ" ኢሉ።

እቲ ጠበቓ ብምስዓብ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ ብሕጽረት ትንፋስ ምዕባስ ልቢ ካልእ ምስቲ ዝተጸቕጦ ብዝተሓሓዝ ነገራትን ከምዝሓለፈት ብመርትዖ ኣሰንዩ ኣቕሪቡ።

ካልእከ ብዛዕባ እቲ ውዕሎ ቤት ፍርዲ እንታይ ኣሎ?

ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዩ ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብዎም 15 ነባሮ ተመሪዖም ካብኦም ትሽዓተ ጸዓዱ ሽዱሽተ ኸኣ ጸለምቲ ኣብቲ መጋባእያ ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ መጋባእያ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ናብቲ ቦታ ፖሊስ ዝሰደደት ጄና ስኩሪ ዝተብሃለት ናይ 911 ፖሊስ'ውን ቃለ መስክርነታ ሰሚዕዋ'ዩ።

ኣሊሻ ኦይለር ኣብቲ ጂርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ኣብ ክሳዱን ሕቖኡን ተረጊጽሉ ዝነበረ እዋን ነቲ ኩነታት ብስእሊ ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ዝዘርገሐት ኮይና ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ነቲ ዝተዓዘበቶ ብቃላ ሂባ።

መስርሕ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምጅማሩ ስድራ ጂርጅ ፍሎይድ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጠበቃታት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ብምትእኽካብ ነተን ጆርጅ ፍሎይድ ዝተሳቐየለን ደቓይቅ ንምዝካር ን9 ደቃይቕ ተንበርኪኾም።