ፖሊስ ሚኒያፖሊስ፡ ንስድራ ጆርጅ ፍሎይድ 27 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ክኸሕሱ እዮም

ስእሊ ጆርጅ ፍሎይድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ከተማ ሚንያፖሊስ፡ ነቲ ዓሚ ግንቦት ሰፊሕ ዓለማዊ ተቓውሞታት ዘበገሰ ዓሌታዊ ቅትለት መዕለቢ ንምግባር፡ ንስድራ ቤት ጆርጅ ፍሎይድ ናይ 27 ሚልዮን ዶላር (19 ሚልዮን ፓውንድ) ካሕሳ ክኸፍሉ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ንጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣባል ፖሊስ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዝኾነ ደረክ ቻውቪን ብብርኩ ረጊጹ እናቐተሎ ብካሜራ ስለዝተሳእለ፡ ንፍትሕን ለውጥን ዝድርኽ ልዑል ተቓውሞ ከምዘበጋገሰ፡ ጠበቓታት እታ ስድራ ሓቢሮም።

ንቕትለት ሚስተር ቻውቪን ዝፈርድ ናይ ህዝቢ መጋባእያ (ጁሪ) ምምራጽ ይካየድ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ከተማ ሚንያፖሊስ፡ ነቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ፡ ቅድሚ ንቡር መስርሕ ፍርዲ፡ ንካሕሳ ብዝምልከት ምስ ስድራ ግዳያት ኣብ ምርድዳእ ክብጻሕ ብምሉእ ድምጺ'ዩ ወሲኑ።

ጠበቓ ስድራ ቤት ፍሎይድ ቤን ክራምፕ እዚ ስምምዕ "ህይወት ጸለምቲ ዋጋ ከምዘለዎን ኣብ ልዕሊኦም ብፖሊስ ዝፍጸም ጭካነ ደው ንኽብል ሓያል መልእኽቲ ዝሰድድ እዩ" ኢሉ።

ስድራ ቤት ጆርጅ ፍሎይድ ንኸሱ ዝደረኾም ነገር እንታይ እዩ ?

ኣብ'ቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ዝተዘርገሐ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዘርእይ ቪድዮ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ ሓደ ድኳን ናይ ሓሶት 20 ዶላር ኣመሪካ ተጠቒምካ ኢሎም እንተፋጥጥዎ ይረኣይ።

ቀጺሎም፡ ናብ መሬት ኣውዲቖም ኣደቂሶምዎ፤ ቻውቪን ዝተባህለ ፖሊስ ብብርኩ ኣብ ክሳዱ ምስረገጾ ድማ "ክትንፍስ ኣይከኣልኩን" ብምባል ከይቀትሎ ይምሕጸኖ ነይሩ። ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሆስፒታል ምስበጽሐ እዩ ከምዝሞተ ተነጊሩ።

ጠበቓታት ስድራ ቤት ፍሎይድ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሞቱ፡ ኣብ ሰነ 2020 ሲቪላዊ ክሲ መስሪቶም ።

ምምሕዳር ከተማ ሚንያፖሊስ፡ ንኦፊሰራት ፖሊስ፡ ነብሶም ክገትኡ ዝሕግዞምን ግቡእ መገዲ ንክኽተሉ ዝድግፍ ስልጠናን ቴክኒክ ዘይምሃቡን፡ ነቶም በደላት ዝፈጽሙ ካብ ስራሕ ዘይምእላዩን ነቲ ኩነታት ዕሽሽ ከምዝበሎን ብምግላጽ ጠበቓታት ፍሎይድ ተኻቲዖም።

እቲ ን 19 ዓመታት ፖሊስ ናይ'ታ ከተማ ኮይኑ ዘገልገለን ንፍሎይድ ዝቐተለን ቻውቪን፡ ቅድም ክብል ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ክስታት ቀሪቦምዎ ከምዝነበሩ እውን ይግለጽ።

እቲ ምስ ስድራ መዋቲ ዝተገብረ ስምምዕ ካሕሳ፡ ቅቡልን ኣብ ጉዕዞ ፍትሒ "ሓደ ስጉምቲ" እዩ ኢሉ እቲ ጠበቓ። ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ንዓሌታዊ ስምዒታት ቀስቂሱ እዩ ኢሉ።

እቲ ሲቪላዊ ምርድዳእ ካሕሳ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ቻውቪን ክሲ ቅትለት ምስ ተመስረተ እዩ ተኻይዱ።

በቲ ኩሉ ዝተኸሰሰሉ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 65 ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል እዩ። ንሱ ግን ገበነኛ ኣይኮንኩን ኢሉ እዩ ዝከራኸር።

ክሳዕ ሕጂ ሽዱሽተ ክኢላታት ሕጊ ኣብቲ ህዝባዊ መጋባእያ (ጁሪ) ምስክርነት ክሰምዑ ተመሪጾም ኣለዉ።

እቲ ህዝባዊ መጋባእያ 12 ክኢላታት ሕግን ኣርባዕተ ተተካእትን እዮም ዘድልዩዎ። ኮይኑ ግና እቲ ጉዳይ ስምዒት ዝትንክፍን ከቢድ ጉዳይን ስለዝኾነ ብጽሞና ዝከታተሉን ረጊኦም ዝመዝኑን ብቑዓት 'ጁሪ' ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን።

ጉዳይ እቶም ብቕትለትን ምድግጋፍ ቅትለትን ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተኸሱ ካልኦት ሰለስተ መኰንናት፡ ጀ ኣለክሳንደር ኬንግ፡ ቱ ታኦን ቶማስ ሌንን ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ ካሊእ መጋባእያ ክረአ እዩ።