ወተሃደራት ማሊ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ስልጣን ክለቁ ተስማሚዖም

ማሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ማሊ፡ ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ዘኽእል ስምምዕ በጺሑ።

ወሃቢ ቃል እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ሙሳ ካማራ፡ እቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብወተሃደራዊ መኮነን ወይከኣ ብሲቪል ክምራሕ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን ስምምዕ፡ ምስ ተቓወምትን ሲቪክ ማሕበረሰባትን ብዝተገብረ ዝርርብ ዝተበጽሐ እዩ።

እቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ፡ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቡባከር ከይታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገሩ ገዲፉ ንደገ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።

እቲ ወዲ 75 ሽማግለ ፕረዚደንት፡ ሕክምና ንምርካብ እዩ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘምረሐ።

ብልሽውናን ቅልውላው ቁጠባ እታ ሃገርን ዝፈጠሮ ሓያሎ ሰልፊ ተቓውሞታት ምስ ተገብረ እዩ፡ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ።

ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ፡ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ጉጀለ፡ እቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ን2 ዓመት ክጸንሕ እዩ ደልዩ ነይሩ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ቀልጢፉ ናብ ሰቪላዊ ምሕደራ ክሰጋገር ዝጠለበ ከባብያዊ በይነ-መንግስታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ንእማመ ናይቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣይተቐበሎን።

ኣቦ መንበር እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ኣሲሚ ጎይታ ግን፡ “ንሕና ኣቐዲምና’ውን ንድሌታት ህዝቢ ማሊ ክንብል እቲ ናይ መሰጋገሪ ዘመን ክሓጽር ኢና ንሰርሕ ዘለና” ኢሉ።

እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ መጀመርታ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዓለማዊ ትካላት፡ ኮኒኖምዎ’ኳ እንተነበሩ፡ ብህዝቢ ማሊ ግን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

እታ ሃገር ካብ ፈረንሳይ፡ ብ1960 ናጽነታ ካብ እትእውጅ ጀሚሩ፡ ዕልዋ መግስቲ ክካየደላ ንራብዓይ ጊዜ እዩ።

ኣኽረርቲ ዕጡቓት ንምውጋእ፡ ወተሃደራት ፈረንሳይ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ ማሊ ይርከቡ።