ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ንፃውዒት ተኹሲ ደው ምባል ነፂግዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዝዓረደ ብርቱዕ ሓይሊ ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍን ኣብ ትሪፖሊ መሰረቱ ዝገበረን መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዘቕረበሉ ተኹሲ ደው ምባል ጻውዒት ነፂግዎ።
'እቲ ብመንግስቲ ትሪፖሊ ዝቐረበ ፃውዒት፡ ቀልቢ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምስሓብ እዩ' ክብል ናይቲ ብጀነራል ሓፍጣር ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሊቢያ (LNA) ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ።
ሃገራዊ ሰራዊት ሊቢያ (LNA)፡ ብሓይልታት መንግስቲ ኣብ ከባብታት ከተማ ሲርጥ ንዝፍነው ዝኾነ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ከምዝነበረ ድማ ሓቢሩ።
ኣብ ሊቢያ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ክካካየድ ዝፀንሐ ውግእ፡ ብኣንጻራውነት ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ነይሩ።
ቅድም ክብል ዝተሰማምዕዎም ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዓት'ውን ክፈሽል እዩ ዝረኣይ።
እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ፈተነ ምስ ፈሸለ ድማ ነንሓድሕዶም ክካሰሱ ይረኣዩ።
ጀነራል ሓፍጣር መን እዩ?
ብ1969 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝነበረ ዘውዳዊ ስርዓት ንምዕላው፡ ወዲ 26 ዓመት እንከሎ፡ ንጋዳፊ ደጊፉ እዩ። ብ1973 ኣብ ዝነበረ ኩናት ከኣ፡ ኣንጻር እስራኤል ወፊሩ።
ኣብ ሞንጎ ቻድ (ጫድ)ን ሊቢያን ጎንፂ ምስ ተፈጠረ፡ ብ1980 ንሰራዊት ሊቢያ መሪሑ ተቓሊሱ።
- ኣብ 1987 ብሰራዊት ቻድ ተማሪኹ፡ ብጋዳፊ'ውን ተካሒ።
- ኣብ 1990 ምስተፈትሐ ድማ፡ ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ጥቓ ዋና ቤት_ጽሕፈት ሲኣይኤ (CIA) ይነብር ነይሩ
- ኣብ 2011 ጋዳፊ ካብ ዙፋኑ ምስተገለፈ፡ ናብ ሊቢያ ተመሊሱ፡ ሕዚ ሓያል ወተሃደራዊ ኮማንደር ሊቢያ ከምዝኾነ ይቑፀር
- ንግብጺ የመሓድር ብዘሎ ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ይድገፍ
"ናይ ሊቢያ ኣል-ሲሲ" ክኸውን ከምዝምነ ድማ ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







