ዕጡቓት ብርኩናፋሶ፡ ኣብ ሓንቲ ገጠር ልዕሊ 130 ሰባት ቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ብርኩናፋሶ ዕጡቓት ኣብ ሓንቲ ገጠር ልዕሊ 132 ሰባት ከምዝቐተሉ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ዛጊድ ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ገዛውትን ዕዳጋን ከምዝተቓጸሉ ተሓቢሩ’ሎ። ዛጊድ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ የለን።
ኣብታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ዶባት ከባቢ እስላማዊ ጉጅለታት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምስማዕ ልሙድ እዩ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረስ እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ከምዘቖጠዖ ተዛሪቡ። ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን ሃገራት ዓለም ከምዚ ዓይነት ዓመጻትን ቅትለታትን ኣብ ሓንቲ ኣባል ሃገር ንምቅላስ ክሓብራ ጸዊዑ።
ፕረዚደንት ብርኩናፋሱ ብወገኑ፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ናይ ሓዘን እዋን ኣዊጁ ኣሎ። ኣብ ትዊተሩ ገጹ ድማ፡ “ኣንጻር እኩይ ሓይልታት ብሓድነት ክንቀውም ኣለና” ኢሉ።
ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፡ ንፈጽምቲ እቲ መጥቃዕቲ ይሃድኑ ከምዘለዉ’ውን ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ኣስታት 150 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ታዳርያት ኣብ ዝተብሃለት ገጠር 14 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኣስታት 30 ሰባት ብተመሳሳሊ መገዲ ከምዝተቐትሉ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር፡ መጥቃዕቲታትን ጭውያን ልሙድ እናኾነ ዝመጽአ ኮይኑ እታ ሃገር ምርግጋዕ ስኢና ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ እርሒ ግንቦት ሰራዊት ቡርኩናፋሶ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ተሪር ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ዝዝረብ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንክመዛበል ምኽንያት ዝኾነ ቅልውላው ፍታሕ ኣይረኸበን።
ዕጡቓት ኣብ 2012ን 2013ን ሰሜናዊ ክፋል ማሊ ምስተቖጻጸሩ፡ ሳሕል እናተብሃለ ዝጽዋዕ ክፋል ኣፍሪቃ ብሓያል ቅልቅላው እናተሓመሰ እዩ ዝርክብ።
ሓይልታት ፈረንሳይ፡ ነቶም እስላማዊ ዕጡቓት ንምቅላስ ንወተሃደራት ማሊ፣ ቻድ፣ መውሪታንያ፣ ኒጀን ቡርክናፋሶን ክሕግዙ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ማሊ ብሰንኪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ምትሕብባራ ጠጠው ኣቢላ ኣላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







