እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ናይ ብሕቲ ትካላት ጸጥታ ስለምንታይ ይድለዩ ኣለዉ?
ናይ ውልቂ ኣገልግሎት ሓለዋ ዝህቡ ኩባኒያታት ኣብ ዩክሬይን ዝዋግኡ ወተሃደራት ይምልምሉ ኣለው።
ህጹጽ ስራሕ
ናይ ስራሕ መደብ፡ ዕሱብ ወተሃደር
ክእለት፡ ብዙሐ-ልሳን [ብዙሕ ቋንቋታት ዝመልኽ]
ደሞዝ፡ ንመዓልቲ $2,000 (£1,523 ካልኦት ጥቕማ ጥቕሚ ሓዊሱ እናኸረረ ብዝኸይድ ዘሎ ጎንጺ ንዝተጐድኡ ስድራቤታት ንክሕግዝ፡ ብቕልጡፍ ናብ ዩክረይን ክኸይድ ዝደሊ!
እዚ፡ ካብ ጽሑፍ ሓደ ፊልም ዝተወስደ ይመስል ይኸውን፣ እንተዀነ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሓደ 'ምስጢረኛታት ሞያውያን፡' ኣብ ብሕታዊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስራሕ ዝቘጽር ትካል ዝተወስደ ናይ ሓቂ ምልክታ ስራሕ እዩ።
እቲ ጠለብ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ።
ኣብ ኲናት ዩክረይን፡ ሓያሎ ትካላት ብሕቲ ኣሜሪካን ኤውሮጳን፡ ኣብ ተልእኾ 'ምውጻእ'ን ሎጂስቲክ ምቕራብን ዝኣመሰለ ስርሓት ንዝህሉ ዕድላት ንምምዛማዝ ኣዒንተን ኣፍጢጠን ኣለዋ።
ሮበርት ያንግ ፐልቶን ዝተባህለ ካናዳዊ ኣሜሪካ ክኢላ ወተሃደራዊ ትካላት ብሕቲ ከም ዝበሎ፡ ሎሚ ኣብ ዩክረይን፡ ኣብ ልዕሊ ተዀናተርቲ ብሕቲ "ኣብ ዕዳጋ ከቢድ ቍጥዐ'ሎ፡" ይብል።
እንተዀነ፡ ወተሃደራት ዝነበሩ፡ ምውጋእን ኣብ ማእከል ኲናት ናይ ምዕያይ ልምዲ ዘለዎም'ሞ፡ ኣብ ዩክረይን ሰራሕተኛታት ጸጥታ ኰይኖም ክቝጸሩ ንዝደልዩ ሰፊሕ ዕዳጋ ኣሎ።
ማዕረኡ ግን፡ ዝተፈላለየ ጕድለታት ንኽፍጸሙን ሕንፍሽፍሽ ንኽፍጠርን'ውን ተኽእሎ'ሎ።
ሽሕ'ኳ ምዕራባውያን 'ወለንተኛታት' ኣብ ዩክረይን ክቃለሱ ተጸንቢሮም፡ ማዕረ'ቶም ዩክሬናውያን ክኽፈሉ ዝጽበዩ እንተዀኑ፡ እቲ ገንዘብ ብመገዲ እዘን 'ምስጢረኛታት ሞያውያን' "ክንቈጽር ንደሊ ኣለና" ዝብላ ዘለዋ ትካላት ኣቢሉ እዩ ዝመጽእ።
እቲ መቝጸሪ ስራሕ ምልክታ፡ እቲ መወዓውዒ ንመን ከም ዘመልክት ኣይነግርን እዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፐልቶን ግን፡ ተዀናተርቲ ትካላት፡ ሰባት ካብ ዩክረይን ንምውጻእ ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 6 ሚልዮን ዶላር ይወዓዓላ።
እቲ ዝለዓለ መጠን ክፍሊት ዝሕተቶ ስራሕ፡ ምሉእ ስድራቤት ምስ ምሉእ ትሕዝቶኦምን ንብረቶምን ንምውጻእ ምስ ዝኸውን እዩ።
መውጽኢ ዋጋ፡ እቲ ዕማም ብዝህልዎ ሕልኽላኽነት ከም ዝውሰን፡ 'ሞዛይክ' ናይ ዝተባህለ ድሮ ኣብ ዩክረይን ስራሕ ረኺቡ ዘሎ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ፡ ኣማኻሪ ትካል ስለያን ጸጥታን ሓላፊ፡ ቶኒ ሺና ገሊጹ።
"ቍጽሪ ናይ ዝወጽኡ ሰባት እናወሰኸ እንተኸይዱ፡ ዝህልዎ ሓደጋ ኸኣ ብኡ መጠን ይዛይድ፤ ቈልዑ ዘለውዎ ምሉእ ስድራቤት እንተዀይኑ እቲ መስርሕ ምውጻእ ከቢድ ይኸውን። ብሓጺሩ በቲ ምስኣቶም እንገብሮ ርክብ እዩ ዝውሰን።"
ተልእዀ ሞዛይክ፡ 'ስራሕ ዝያዳ ካብ ብወተሃደራዊ፡ ብስለያዊ ኣገባብ ክፍጸም ኣለዎ፡' ዝብል ምዃኑ ቶኒ ይገልጽ።
ንሱ ኣባል ስለያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኰይኑ፡ ትካሉ - ሞዛይክ - ከኣ፡ ብዙሓት ላዕለዎት ኣባላት ጸጥታ ኣሜሪካ ነበር ዘዋፈረ እዩ።
እዚ ትካል ንውልቀ ዓማዊል፡ ኮርፖሬሽናትን ፖለቲከኛታትን ካብ ዩክረይን ናይ ምውጻእ ኣገልግሎት ከም ዝህብ፡ ሺና ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዜጋታቱ ካብ ዩክረይን ከውጽእ ዝደለየ፡ "ትካል ስለያ ሓንቲ ዓባይ ሃገር" ካብ ቀንዲ ዓማዊል ትካል ሞዛይክ ምዃኑ፡ ሺና ብተወሳኺ ይገልጽ።
"እቲ ኵነታት ከመይ ከም ዝኸይድ እዩ ዝውስኖ፣ ግን ቀጻሊ ጠለብ ንብሕታውያን ትካላት ውትህድርናን ጸጥታን ክህሉ ከም ዝኽእል እየ ዝግምት፡" ድሕሪ ምባል ሺኖ፡" እቲ ውግእ እናዓረገ ወይ እናሃድአ ኣብ ዝኸደሉ፡ በዚ ይዅን በቲ ንሕና ንድለየሉ ስርሓት ግድን ክህሉ እዩ።"
ብሕታውያን ትካላት ውትህድርናን ጸጥታን ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓ እየን። ንኣዒንቲ ሓፋሽ ቅሉዓት ክዀና ዝጀመራ ግን፡ ኣብ ውግእ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን [ድሕሪ 9/11] ንምዕራባውያን መንግስታትን ንግዳዊ ረብሓታትን ወኪለን ክሰርሓ እንከለዋ እዩ።
ኣብ ኲናት ዒራቕ፡ ከም እኒ 'ብላክ-ዎተር' ዝኣመሰላ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሕታዊ ትካላት ተዋፊረን ነይረን። ዝነበረን ዕማም፡ ዕጥቃዊ ተልእዀ፡ 'ምሕላው ቃፍላይ፡ ከምኡ'ውን ምግብናን መንበሪ ኣባይቲ ወተሃደራት ኣብ መዓስከራትን ነይሩ። ትካል ብላክ-ዎተር ድሕሪ'ቲ ዘጋጠሞ ሓደጋታት፣ እንኮላይ'ቲ ኣብ 2007 ብኣባላቱ ዘጋጠመ መቕተልቲ 14 ሲቭል ዒራቓውያን ዝፈጸመ ትካል እዩ።
ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ከምዚአን ዝኣመሰላ ብሕታውያን ትካላት ዝረኣያሉ፡ ንሃብታማት ሰባትን ትካላትን ሓለዋ ንምግባር ጥራይ እዩ።
ድሕሪ ምብትታን ዩጐዝላቭያ፡ ብዙሓት ትካላት፡ ሓይልታት ቦዝኒያን ክሮሽያን 'ንምድላው፡ ምውዳብን ምስልጣንን' ኣብ ዝብል ዕማም ሰሪሐን እየን፤ ኵሉ ድማ ብባርዀት መንግስቲ ኣሜሪካ እዩ።
ባህሪ ናይዚ ኢንዱስትሪን ቍጽሪ ተዀናተርትን ኣብኡ ዘሎ ገንዘብን ምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ።
ብዅሉ ሸነኻት ግን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ኢንዱስትሪ ምዃኑ ይፍለጥ።
ጸብጻብ "ኤሮስፕይስ ኤንድ ዲፈንስ ኒውስ" ከም ዘመልክቶ፡ ዓለምለኻዊ ኢንዱስትሪ ውትህድርናን ጸጥታን ብሕቲ፡ ኣብ 2020 ካብ ዝነበሮ 224 ቢልዮን ዶላር፡ ኣብ 2030 ናብ 457 ቢልዮን ዶላር ክብ ክብል ከም ዝኽእል ይግመት።
ኵንትራት 'ዶ ዓሰባ?
ወተሃደራውያን ተዀናተርቲ ትካላት ወጻኢ፡ ኣብ ዩክረይን ዝዀነ ቃልሲ ከምዘየካይዳ እየን ዝገልጻ።
ገለ ወገናት ከም ዝብልዎ፡ እዘን ትካላት፡ ብዘለውወን ክኢላታትን፡ ኣብ ዞባ ኲናትን ሕማቕ ኵነታትን ናይ ምስራሕ ተመኵሮን፡ ኣብ ዩክረይን ይዅን ጐረባብቲ ሃገራት ንዘለዋ ዘይመንግስታውያንን ሰብኣውያንን ትካላት ንኽሕግዛ እየን ዝሕተታ።
"መብዛሕትኦም ኣነ ዘዋፍሮም ዘለኹ ሰባት፣ ዶክተራት፣ ሓካይም፣ ነርሳት፣ ክኢላታት መብጣሕትን ህጹጽ ረዲአትን እዮም።" ይብል፡ ኣብ ዞባ ውግእ ተዀናታሪ ኰይኑ ዝሰርሐ፡ ኣባል ፍሉይ ሓይልታት ኣሜሪካ ነበር፡ ሃይከል ሃውከ።
ምዕራባውያን ተዀናተርቲ፡ ብሕጊታትን መምርሒታትን ሃገራተን ቅዩዳት ምዃነን፡ ብማዕርግ ኰሎኔልነት ኣብ ሰራዊት ኣሜርካ ዝነበረን፡ ኣብ ብሕታዊ ትካል ጸጥታ ኣብ ዒራቕ ዝሰርሐን ክሪስቶፈር መየር ይገልጽ።
ኣብ ቀጥታዊ ውግእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምክልኻል ሰባት፡ ቦታታትን ንብረትን እየን ዝሰርሓ።
ብዙሓት ኣብዚ ስራሕ ዝዋፈሩ ሰባት፡ እቲ 'ዕሱባት' ወይ ከኣ 'ወተሃደራት ዕድል' እናተባህለ ዝግለጽ ኣበሃህላታት ከም ዘሕምሞም ይንገር።
"ኣብ ኣሜሪካ ይዅን ኣብ ካልኦት ሃገራት ሓደ ዓይነት ስራሕ እዩ ዘሎ፡" ይብል መየር። "እቲ ፍልልይ፡ ኲናት ኣብ ዘለወሉ ዞባ ኬድካ ክትሰርሕ እንከለኻ፡ ክሳዕ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሓይሊ ናይ ምጥቃም ተኽእሎ ዓቢይ ምዃኑ እዩ።"
ኣብ ግብሪ እቲ ፈላዪ መስመር ንጹር ኣይኰነን
ኣባል ኣየርወለድ ኣሜሪካ ነበርን፡ ኣብዘን ትካላት ተቘጺሩ ኸኣ ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ቦታታትን ዝሰርሐ፡ ሲን ማክፈይት፡ ብዛዕባ'ዚ፡ "ብሕታዊ ተዀናታሪ ናይ ምዃን ክእለታት እንተለካ፣ ዕሱብ ናይ ምዃን ክእለታት'ውን ኣለካ ማለት እዩ። ኣብ መንጐ'ዚ ክልተ ንጹር ፍልልይ የለን፡ " ይብል።
"ኣብ ታሪኽ ከም ዘተራእየ፡ ዕሱባት ምእንቲ ረብሓኦም ክብሉ ግርጭታት ከም ዘናውሑ እዩ፡" ይውስኽ። "ከመይ ምንባሩ'ኳ ብልክዕ ክፈልጥ እንተዘይከኣልኩ፡ እዚ ጕዳይ፡ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ክፍለ-ዘመን ሰራዊት ብሕቲ ናብ ዝነበሮም ልዕለ-ሃብታማት ሰባት ክኸይድ ይኸእል'ዩ።"
ንኣብነት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ፡ 'ኤግዘኲቲቨ ኣውትካምስ' ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ኣንጐላን ሴራሊዮንን ኣብክንዲ መንግስቲ ይዋጋእ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ 'ሳንድላይን ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ለንደን ቤትጽሕፈቱ ትካል'ውን፡ ኣብ ኒው-ጊኒ፡ ላይቤርያን ሴራልዮንን ተዋጊኡ እዩ።
ብሩስያ ዝተዓስቡ ጕጅለታት'ውን ኣብ ዩክረይን ከም ዘለው ይንገር ኣሎ። እንተዀነ መስራቲ እዘን ክልተ ትካላት [ኤግዘኲቲቭን ሳንድላይንን] ዝዀነን፡ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ ዝነበረን ሳይሞን ማን ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ንወተሃደራዊ ስርሒት ምዕራባውያን ትካላት ክትቈጽር ዘሎ ተኽእሎ ኣመና ትሑት እዩ፣ ብዙሕ ሕጋውን ትካላውን ሕቶታት'ውን ዘስዕብ እዩ፡" ይብል።
ወሲኹ፡ "ብኸመይ እየን ክኽፈላ? ብኸመይ ከ ክእዘዛ? ኣብ ኲናት ዩክረይን ከ ብኸመይን ኣበይን እየን ክኣትዋ?" ዝብሉ ሕቶታት የልዕል ሳይሞን ማን።
"ዝዀነ ስርሒት ቅድሚ ምግባር ከ፡ ኣብ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምዝጉባት ድየን? እንተዘይኰይኑ ሕጋዊ ቦታአን ከመይ ክኸውን እዩ? ዘጋጥም መውጋእቲ? ሕክምናዊ ወጻኢታት? መድሕን [ኢንሹራንስ] ሞትን ስንክልናን ከ፡ ከመይ እዩ ክኸውን?"
ኣብ 2004 ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ንዝተኻየደ ፍሹል ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብምምራሕ ተኸሲሱ ንዓመታት ዝተኣስረ ሳይሞን ማን ከም ዝሓበሮ፡ ንሓደ ሰብ ንምውጻእ ብሕሳብ 10 ሽሕ ፓውንድ እዩ።
መብዛሕትኡ ኸኣ፡ ኣብ ባይታ ጽቡቕ ርክባት ብዘለዎም ኣባላት እዘን ብሕታዊ ትካላት ጸጥታ እዩ ዝካየድ።
ገለኦም ከም ዘጠንቅቕዎ ግን፡ ተኸፊልካ'ውን ብተልእዀ ምድሓን ኣብ ዩክረይን ክትዋፈር፡ ብማዕረ ነተን ትካላትን ዓማዊለንን ሓደጋታት ኣለዎ።
እዚ ኢንዱስትሪ ድማ፡ ንኽእለቶምን ተመኵሮኦምን ብዘይውክሉ ሰባት ኣዕለቕሊቝ እዩ።
ኦርላንድ ዊልሰን ዝተባህለ፡ ወተሃደር ብሪጣንያ ነበርን ንነዊሕ ዓመታት ተዀናታሪ ስርሓት ጸጥታ ኰይኑ ዝሰርሐን ከም ዝብሎ፡ መብዛሕትኡ'ዚ ብዛዕባ'ዘን ትካላት ጸጥታ ኣብ ዩክረይን ዝበሃል ዘረባታት 'ብላሽ' እዩ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ሰባት ከመይ ኢሎም ኣብ ዩክረይን ክሰርሑ ይኽእሉ፡ ንዓይ ኣይረኣየንን እዩ፡" ኢሉ ይማጐት።
"ሓዲኡ ወገን ወይ ከኣ ካብቶም ሚሊሻታት እንተሒዞምኻ'ኮ 'ስለያ' እዮም ክብሉኻ- ኣኸለ።"
"ነቶም ኣብዚ ስራሕ ዝዋፈሩ ሰባት ውሑስ ኣይኰነን፣ ንባዕሎም ነቶም ዓማዊል'ውን ውሕስነት የብሉን፡" ይውስኽ ዊልሰን።