ቅልውላው ዩክረይን፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ዩክረይን ክዋጋእ ዝመጽአ ካናዳዊ ኮሜዲያን

ቅድሚ ሰሙናት፡ ኣንቶኒ ዎከር ተመሃሪ ዩኒቨርሲቲን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ኮሜዲያንን እዩ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዘይዕረፍቲ ንደገፍቲ ትራምፕ ብምድኻም ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ሃገሩ ካናዳ ኣንጻር ክታበት ኮሮናቫይረስን መምርሒታቱን ተቓውሞ ዝገበሩ መራሕቲ መካይን ብምቕዋም ይፍለጥ።

ሕጂ እዚ ካናዳዊ ኣብ ዶብ ፖላንድ- ዩክሬይን እዩ ዝርከብ። ንሱ ሓደ ካብቶም ንጻውዒት ዩክሬይን ተቐቢሎም ብሰናይ ተበግሶ ናብታ ሃገር ዝኸዱ ዘለው ወጻእተኛታት እዩ።

ቢቢሲ ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ፖላንድ ጥቓ ዶብ ዩክሬይን ኮይኑ እዩ ኣዘራሪቡዎ።

ወዲ 29 ዓመት ዎከር ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ዝነበሮ ህይወትን ሰለስተ ደቁን ገዲፉ ክመጽእ ዝገበሮ ምኽንያት እቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብቴሌቪዥን ዝርእዮ ዝነበረ ናይ ኲናት ምዕባለታት ከም ዝኾነ ገሊጹ።

"ምስ በዓልቲ ቤተይ ኮይንና ብዛዕባ ዩክሬይን ዝወጽኡ ዝነበሩ ዜናታት፣ ስእልታትን ቪድዮታትን ንርኢ ነይርና። ዋላ ሓደ ጽቡቕ ኣይነበረን። እዚ ኣብ ካናዳ እንተዝኸውን ነይሩ ዝሕግዘና ሓደ ሰብ ክንደሊ ነይርና ኢና ኢለ ንነብሰይ ነጊረያ" ይብል።

ንሱ፡ ርግኣት ኣብ ዘለዋ ሃገር ምውላዱ "ዕድለኛ" ከም ዝኾነን ኣብ ዓዱ ኲናት ርእዩ ከም ዘይፈልጥን ይገልጽ።

"ከምኡ ክንጥቃዕ ኣይንኽእልን። ምስ ዩክሬይን ዝኾነ ርክብ የብለይን። ዩክሬናዊ ኣይኮንኩን ግን ሰብ'የ፤ እዚ ኽኣ ናብዚ ንምምጻእ እኹል ምኽንያት እዩ" ኢሉ።

ዎከር፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዱ ኣይፈልጥን።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ሰራዊት ካናዳ ክጽንበር ድልየት እኳ እንተነበሮ፡ ብምኽንያት ደም ካብ ዘይምርጋእ ዝመጽእ ጸገም [haemophilia] ከም ዝነበሮ ብሕክምናዊ መርመራ ምስ ተረጋገጸ ናብ ሰራዊት ክጽንባር ብቑዕ ከም ዘይኾነ ተነጊሩዎ።

ንዝሓለፈ ዓመታት ድማ ፈለኛሞን መራሒ መኪናን ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ብተወሳኺ ሰርቴፊኬት ዘለዎ ክኢላ ሕክምና እዩ፤ በዚ ኣብ ዩክሬይን ከገልግል ተስፋ ይገብር።

ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካናዳ ድሕነት ሳይበርን ምስርሳር ኢንተርነትን የጽንዕ ነይሩ።

ንሕጂ ዎከር ክሳብ ካልኦት ወተሃደራት ካናዳ ዝነበሩን ካብ ብሪጣኒያ፣ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ዝመጽኡ ወለንታውያን ወጻእተኛታትን ዝመጽኡ ንሒደት መዓልታት ኣብ ዶብ ፖላንድ ክጸንሕ'ዩ።

ብሰኑይ ብመኪና ናብ ሰራዊት ዩክሬይን ቀረባት ብምብጻሕ ይሕግዝ ነይሩ።

ቅድሚ ናብ ግንባር ምኻዱ ድማ ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን ናብ እትርከብ ከተማ ልቪቭ ክኸይድ መደብ ገይሩ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ፖላንድን ዩክሬይንን ዘሎ ዶብ ድማ ሕጂ ብብዝሒ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝደልዩ ስደተኛታት ተዕለቕሊቑ ምህላው ተዛሪቡ።

"ገሊኦም ዶብ ክሰግሩ ንመዓልታት ዝተጸበዩ'ዮም። ጠምዩዎም፣ ቖሪሮም ኣለው። ጽቡቕ ኩነታት ኣይኮነን ዘለው" ኢሉ።

ናብ ዩክሬይን ክኸይድ ምዃኑ ካብ ዝገልጽ ንድሓር ካልኦት'ውን ኣሰሩ ከም ዝስዕቡ ዝገልጹ መልእኽታት ከም ዝልኣኹሉ ይዛረብ።

እዚ ከም ብዋዛ ዝጀመረ መልእኽቲ ድማ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ወለንታውያን ወጻእተኛታትን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገርን ዘቕረቡዎ ጻውዒት ወሲኹ'ዩ።

እዚ ኣብ ከም ረዲትን ዲስኮርድን ዝበሉ ማሕበራዊ ሚዲያታት ካብ መላእ ዓለም ኣሽሓት መልእኽታት ውሒዞም እዮም።

ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ወለንታውያን ናብ ዩክሬይን ከይዶም ዝብል'ኳ ብወግዒ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣምባሳደር ዩክሬይን ኣብ ብሪጣኒያ ቫዲም ፕሪስታኮ "ብርክት" ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ወጻእተኛታት ናብ ዩክሬይን "ንክጽንበሩ ክፍቀደሎም ይጠልቡ ኣለው" ኢሉ።

ዩክሬይን ወለንተኛታት ንዝኾኑ ከም እተዕጥቕ እኳ እንተገለጸት ብኸመይ መልክዑ'ያ ክተሳትፎም፣ ስልጠና ክትህቦምን ክተውፍሮምን ዝብል ኣይፍለጥን።

ቅልውላው ዩክሬይን

ብሰንበት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ካናዳ ሚላኒ ጆሊ ብቐንዱ ዘርኢ ዩክሬይን ንዘለዎም ትኹረት ገይራ'ኳ ትዛረብ እንተነበረት ካናዳውያን ወለንተኛታት ኮይኖም ንክኸዱን ንክዋግኡን ናይ ምውሳን ውልቃዊ ምርጭኦም እዩ ምባላ ጋዜጣታት ግሎብን ሜይልን ጸብጺበን።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጸኢ ብሪጣኒያ ሊዝ ትሩስ ብወገና ብሪጣናውያን "ናይ ባዕሎም ውሳነ ክውስኑ ይኽእሉ'ዮም" ኢላ።

ዎከር ነዞም ተበግሶታት ዝድግፍ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ወለንታውያን መናእሰይን ሓሓሊፉ ብዛዕባ ኲናት ሕልማዊ ሓሳብ ዘለዎምን ብኣደናቒ መገዲ ዝርእዩዎን ኣብ ውግእ ንምስታፍ ህንጡውነት ዘለዎምን እዮም ዝብል እምነት ኣለው።

ገዳይም ወተሃደራት ድማ ስልጠና ዘይወሰዱን ብዝግባእ ዘይተዳለውን ወለንታውያን ካብ ሓገዝ ንላዕሊ ሸክሚ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ ኣለው።

ዎከር ብዛዕባ ኲናት ዝተሰርሐ ፍሉጥ ጸወታ [ጌም] ብምልዓል "እዚ ልክዕ ከም 'ናይ ግዴታ ጻውዒት' ርኢኹም ትመጽኡ እንተሃሊኹም ከይትሓስቡዎ። እዚ ናይ ጌም ቪድዮ ኣይኮነን፤ ዝቐትል ቦንባን ጠያይትን ዘለዎ'ዩ" ኢሉ።