እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወጥሪ ዩክሬይን: ጎንጺ ዩክሬይን ጠጠው ዘብሉ ሓሙሽተ መገዲታት
ኣብ ዩክረይን ስፍሕ ዝበለ ኲናት ክህሉ'ዩ ኢልካ ምግማት ብጣዕሚ ዘስግእ እዩ። ሩሲያ ንዩክሬይን ክትወራ እንተኾይና ብኣሽሓት ክሞቱ ካልኦት ብዙሓት ድማ ክስደዱ ይኽእሉ'ዮም።
እዚ ዘስዕቦ ቁጠባውን ሰብኣዊን ክሳራ ክኣ ከቢድን ኣዕናውን እዩ።
ሩሲያ ኣብ ከባቢ ከባቢ ዩክሬይን ወተሃዳራት ክተጸግዕ እንከላ ሃገራት ምዕራብ ድማ እዞም ወተሃደራት እግሮም ሓደ ስጉሚ ናብቲ ዶብ እንተልዒሎም ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር እዩ እናበላ የጠንቅቓ ኣለዋ።
ስለዚ ካብዚ ምፍጣጥ ኣውጺኡ ሰላማውን ዘላቕን መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ኣሎ ድዩ?
ዲፕሎማሰኛታት ኩሎም ወገናት ካብ ናይ ኲናት መገዲ ክወጽኡ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ናይ መዋጽኦ ኣማራጺ'ዮም ዘቕርቡ።
ዝኾነ ሕድገት ክትገብር እንከለኻ ክኣ እትኸፍሎ ዋጋ ኣሎ'ዩ።
ተንታኒ ዲፕሎማሲ ጄምስ ላንዳል ግን እቲ ሕጂ ዝስግኣት ዘሎ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ንምህዳእ ዘኽእሉ ካልኦት ኣማራጺታት ኣለው ይብል።
ሓደ፡ ሃገራት ምዕራብ ፑቲን ሰራዊቱ ክስሕብ ከእምንኦ ይኽእላ'የን
ብመንጽር እቲ ሕጂ ዝስጋእ ዘሎ ወጥሪ፡ ሃገራት ምዕራብ እቲ ኲናት ካብ ጥቕሙ ሳዕቤኑ'ዩ ዝዛይድ ኢለን ንፕሬዝደንት ቭላዳሚር ሚር ፑቲን ብምእማን ነቲ ወራር ጠጠው ከብልኦ ይኽእላ እየን።
ንሱ ዋላ'ውን ኣብቲ ዓውደ ውግእ ክስዕር እንተኽኢሉ፡ በዚ ኲናት ዝስዕብ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ቑጠባዊ እገዳን ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጥን ግን ክኸብዶ ከም ዝኽእል ከእምኖ ይኽእል እዩ።
ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ክገብራ ከም ዝኽእላን እዚ ድማ ዓመታት ናብ ዝወስድ ኣዕናዊ ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእል ከስግኦ እዩ።
ፑቲን እዞም ክሳራታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ተቐባልነት ክስእንን ንመሪሕነቱ ከናግዖን ከም ዝኽእል ክኣምን ኣለዎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፑቲን ንምትኹታዃት ኔቶ ወተሃደራዊ ምላሽ ብዘይምሃብ ናይ ሰላም ተዋሳኢ ኮይኑ ኢልካ ብምቕራብ ሃገራት ምዕራብ ፑቲን ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከም ዝረኸበ ክገብራ ከፍቅዳሉ ኣለወን።
ኣብ መወዳእታ ፑቲን ትኹረት ምዕራባውያን ከም ዝረኸበን መራሕቱ ድማ ነቶም ንሱ "ሕጋዊ ስግኣት ድሕነት" ዝብሎም ይፈትሑ ከም ዝነበሩ ክስምዖ'ዩ።
ሩሲያ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ሃገር ኮይና ኣብ ቤላሩስ ዓᎁቕ ህላወ ከም ዝነበራ ንዓለም ከተዘኻኽራ ትኽእል እያ።
እቲ ጸገም እዚ ተረኽ ብቐሊሉ መሪሕነት ፑቲን ወዲቑ ዝብል ክትዕ ዘልዕል ክኸውን እዩ።
ፑቲን ዝወስዶ ስጉምቲ ምዕራባውያን ክሓብሩ ገይሩ'ዩ፤ እዚ ድማ ሓይልታት ኔቶ ናብ ዶባት ሩሲያ ክጽግዑ ክገብር እንከሎ ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ክጽንበራ ከም ዝኽእላ ኣአንፊተን።
ክልተ፡ ኔቶን ሩሲያን ሓድሽ ስምምዕ ድሕነት ክህልዎም ምግባር
ሃገራት ምዕራብ ከም ሉእላውነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ዩክሬይን ከምኡ'ውን ኣባል ኔቶ ክትኸውን ናይ ምሕታት መሰል ኣለዋ ዝበሉ ዓንዲ መትከላት ብቐሊሉ ከም ዘይዋገያሉ ግልጺ ገይረን ኣለዋ።
ዝኾነት ሃገር ናብ ኔቶ ክትጽንበር ድልየት እንተሃልዩዋ ቀደሙ'ውን እቲ በሪ ክፉት ክኸውን እዩ ዝግብኦ።
ኣሜሪካን ኔቶን ግን ብሰፊሑ ኣብ ኤውሮጳ ሓባራዊ ምርድዳእ ክፍጠር ከም ዝኽእል ተቐቢሎም ኣለው።
እዚ፡ ተጻባእቲ ወገናት ዝሓዙዎ ብዝሒ ሚሳይላት ክንክዩ ምግባር፣ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ሩሲያን ኔቶን ምትእምማን ክህሉ ዝገብሩ ስጉምታት ምውሳድ፣ ኣብ ዙርያ ወተሃደራዊ ልምምድን ሚሳይላት ዘለውሉ ቦታን ግልጽነት ክህሉ ምግባርን ኣብ እዋን ፈተነ ኣጽዋር ጸረ-ሳተላይት ምትሕብባር ምህላውን ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል።
ሩሲያ፡ ዩክሬይን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ምፍቃድ ማለት ድሕነት ሩሲያ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ እዩ ብምባል ንርእሳ ግልጺ ገይራ እያ። ስለ ዝኾነ ድማ እዞም ጉዳያት ከም ዘየዕግቡዋ ይፍለጥ።
ግን ድማ፡ ምውፋራት ሚሳይል ኔቶ ክንኪ ምግባር ብዝተወሰነ መልክዑ ንገሊኦም ስግኣታት ሩሲያ ክቐርፍ ይኽእል እዩ።
ኣብ ገሊኡ ሸነኽ፡ ፑቲን ክኸስብ ጀሚሩ'ዩ። ኤውሮጳ ሩሲያ ብዘቕረበቶም ጠለባት ሓድሽ ዝርርብ ድሕነት ጀሚራ ኣላ።
ሰለስተ፡ ሩሲያን ዩክሬይንን ስምምዕ ሚንስክ ዳግም ክርእይኦ ምግባር
እዚ ስምምዕ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2015 ኣብ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ሚንስክ ዝተፈረመ እዩ።
ኣብቲ ግዜ ሓይልታት መንግስትን ብሩሲያ ዝድገፉ ዕጡቓትን ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን ሓያል ውግእ ኣካይዶም ነይሮም።
እዚ ስምምዕ ኣይሰመረን- እቲ ውግእ ቐጺሉ።
ይኹን'ምበር ክልቲአን ሃገራት ምቁራጽ ተጻብኦ ክገብራን ኣብ ፌደራላዊ ሕገ መንግስቲ ዝተሞርኮሰ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክገብራሉን ኣኽኢሉ።
ፖለቲከኛታት ምዕራብ ሕጂ'ውን እቲ ስምምዕ ነቲ ዝርኣይ ዘሎ ወጥሪ ወይ ቅልውላው ክፈትሖ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።
ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ሚንስክ "ናብ መገዲ ሰላም ዝወስድ ብሕታዊ ኣማራጺ'ዩ" ምባሉ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ቤን ዋሌስ ብሪጣኒያ'ውን ስምምዕ ሚንስክ መሊስካ ምምጻእ "ወጥሪ ዘህድእ ድልዱል መገዲ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ጸገም ድንጋገታት እቲ ስምምዕ ኣካታዕቲ ምዃኖም እዩ።
ክሬምሊን ዩክሬይን ደገፍቲ ሩሲያ ዝኾነ ፖለቲከኛታት ንምትብባዕ ከባቢያዊ መረጻ ከተካይድ ኣለዋ ክትብል እንከላ፡ ኪቭ ብወገና መጀመርታ ሞስኮ ዕጥቂ ክትፈትሕን ሩሲያውያን ተዋጋእቲ ከተልግስን ትጠብል።
እቲ ዝዓበየ ክትዕ፡ እቲ ስምምዕ ክንደይ ዝኣክል ስልጣን ርእሰ ምሕደራ ይወሃብ ዝብል እዩ።
ኬቭ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ዩክሬይን እትርከብ ዞባ ዶንባስ መጠናዊ ዓርሰ ምሕደራ ክትብል እንከላ ሩሲያ ኣይትሰማማዕን።
ስለ ዝኾነ ድማ ዶኔትስክን ሉሃንስክን ኣብ ዙርያ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ዩክሬይን ርኢይቶ ናይ ምሃብ መሰል ክህልወንን ዩክሬይን ናብ ኔቶ ትጸንበር ኣብ ዝብል ድማ ዓብላላይ ድምጺ ክህልወንን ኣለወን ትብል።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ዩክሬይን እዚ ስምምዕ ዳግም ክመጽእ ምግባር ሕጉስቲ ኮይና እትቕበሎ ዘለዎ ተኽእሎ ብዙሕ ዘተኣማምን ኣይኮነን።
ኣርባዕተ፡ ዩክሬይን ከም ፊንላንድ ሞንጎኛ ክትኸውን ምግባር
ዩክሬይን ንከም ፊንላንድ ዝመስል ሞንጎኝነት ክትቕበል ምእማን ይክኣል'ዶ?
ሰብ መዚ ፈረንሳ ዩክሬይን ናይ ፊንላንድ ኣብነት ክትወስድ ክትኽእል እያ ዝብሉ ብተደጋጋሚ ዝተነጽጉ ጸብጻባት ነይሮም።
ፊንላንድ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ሞንጎኛ እያ ኮይና። ነብሳ ዝኽኣለት፣ ሉእላዊትን ዴሞክራሲያዊትን መንግስቲ ኮይና።
ክሳብ ሕጂ ድማ ካብ ኔቶ ወጻኢ እያ።
እዚ ልቢ ኪቭ ዘተርክስ'ዶ ይኸውን? ወተሃደራዊ ውጽኢት ከወግድ ይኽእል እዩ።
ብክልሰ ሓሳብ ደረጃ ድማ ድልየት ፑቲን ከማልእ ይኽእል። ግን ክኣ ዩክሬይን ነዚ ኣይትድግፎን።
ሞንጎኝነት፡ ኪቭ ኣብ ዩሮ-ኣትላንቲክ ዘለዋ ባህግታት ንጎኒ ክትገድፎን ምናልባት ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ'ውን ከርሕቖን ይኽእል።
ሓሙሽተ፡ እቲ ሕጂ ዝምዕብል ዘሎ ኣብ ዘለወሉ ምግዳፍ
ሩሲያ፡ ቀስ ብቐስ ሰራዊታ ልምምዱ ወዲኡ ከም ዝስሓበ ክትዛረብ ትኽእል እያ።
ብኻልእ ወገን ድማ ምናልባት ዝበዝሕ ኣጽዋራት ኣብኡ ክትገድፎ ትኽእል። ብተወሳኺ ኣብ ዶንባስ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ቐጻሊ ደገፍ ክትገብረሎም ትኽእል።
ብምኽንያት እቲ ካብ ሩሲያ ዝምጩ ስግኣታት ፖለቲካውን ቁጠባውን ርግኣት ዩክሬይን ከናጋዕ ይኽእል'ዩ።
ምዕራባውያን ድማ ህላወ ኔቶ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ተጠናኺሩ ክቕጽል ክገበራ እንከለዋ፡ ፖለቲከኛታተንን ዲፕሎማሰኛታተንን ድማ ምስ ሩሲያውያን መዘናታቶም ቐጻሊ ዘተታት ክገብሩ ይኾኑ።
እዚ ዩክሬይን ዋላ'ውን መሉኡ ካብ ጸገም እንተዘይኣውጽኣ ብውሑዱ ኲናት ከይህሉ ክገብር እዩ።
ቀስ ብቐስ ድማ እቲ ወጥሪ እናሃደአን ርእሰ ዜና ካብ ምዃን እናወጽአን መጺኡ መዘራረቢ ኣጀንዳ ምዃኑ ክተርፍ እዩ።
ይኹን'ምብር፡ ካብዞም ዝቐረቡ ኣማራጺታት እቲ ሓደ'ውን እንተኾነ ቐሊል ኣይኮነን።
ኩሎም ሕድገት ይሓቱ'ዮም።
ኪቭ፡ ዩክሬይን ዚያዳ ሕድገት ክትገብር ክትሕተት ትኸውን ዝብል ስግኣት ኣለዋ።
እቲ ዝስጋእ ዘሎ ኲናት ክህሉ ድዩ ኣይህሉን ብዘየገድስ ብውሑድ ክልቲኦም ወገናት ንምዝርራብ ድልውነት ከም ዘለዎም ይርኣይ ኣሎ።
ሰባት ብዝተዘራረቡ ቑጽሪ ድማ መፍትሒ ዘምጽኡ ናይ ዲፕሎማሲ ማዕጾታት ክርሕው'ዮም።