ጎንጺ ዩክሬይን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ስርሒት ኣዊጃ

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሃገሩ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ክልል ዶንባስ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ከም ዝጀመረት ኣፍሊጡ፡፡

ንሱ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቶም ኣንጻር ብሩስያ ዝሕገዙ ዕጡቓት ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ዩክረይን ዕጥቆም ፈቲሖም ንገዝኦም ክምለሱ ተማሕጺኑ፡፡

ሩስያ ንዩክረይን ንምሓዝ ድልየት ከም ዘይብላ ዝገለጸ እቲ መራሒ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝኾነ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ‘‘ቅልጡፍ’’ ምላሽ ከም ዝህብ ተዛሪቡ፡፡

ዩክረይንን ምዕራባውያን መሓዙታን ሩስያ ንወራር አዐርያ ተቐሪባ ከም ዘላ ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም፡፡

ብኻልእ ዜና ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዩክረይን ድምጺ ነታጒ፡ ኣብ ጥቓ ኣብ ርእሰ ከተማ ከይቭ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሪስፒል ድማ ድምጺ ተኹሲ ጠያይቲ ከም ዝተሰመዐ ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ፡፡

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብረቡዕ አብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ‘‘ዘይምኽንያታዊ ’’ ዝበሎ ወራር ሃገሩን መሻርኽታን ብሓባር ግብረ መልሲ ከም ዝህባሉ ኣፍሊጡ፡፡

"ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቀኖ ኣብ ደቂ ሰባት ከቢድ ዕንወት ህይወትን ስቓይን ዘስዕብ ኲናት መሪጹ ኣሎ" ኢሉ፡፡

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ስርሒት ከም ዝጀመረት ቅድሚ ምግላጻ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ሩስያ ‘‘ኣብ ኣውሮጳ ዓብዪ ኲናት’’ ክትጅምር ከምእትኽእል ብምሕባር፡ ሩስያውያን ነቲ ስጉምቲ ክቃወሙ ጸዊዑ ነይሩ፡፡

ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክረይን ኣስታት 200 ሽሕ ወተሃደራትን ዱሩዓት መካይንን ኣስፊራ ከም ዘላ እውን ዘለንስኪ ኣፍሊጡ፡፡

ሩስያ ንተነጸልቲ ክልላት ‘ፒፕልስ ሪፐብሊክ ኦፍ ዶነስክ’ ን ሉሃንስክን ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበተን ድሕሪ መዓልቲታት እያ ነቲ ስርሒት ጀሚራ ዘላ፡፡

ድሕሪ እዚ እተን ዶንባስ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ገዚፍ ግዝኣት ዩክረይን ዝተቖጻጸራ ተነጸልቲ ክልላት ካብ ሩስያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ሓቲተን፡፡

ሩስያ ንዩክረይን ክትወርር ከምዝትኽእል ዝነበሩ ሰግኣታታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበዩ ዝመጹ ኮይኖም፡ ዩክረይን ትማሊ ረቡዕ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ኣላ፡፡