እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወጥሪ ዩክረይን፡ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ዩክረይን ክወጽኡ ይጽውዓ ኣለዋ
ሩስያ ንዩክረይን ከይወረረታ ኣይትተርፍን ዝብል መጠንቀቕታ ምዕራባውያን ስዒቡ ዜጋታተን ካብ ዩክረይን ክወጽኡ ዝጽውዓ ሃገራት ልዕሊ ዓሰርተ በጺሐን፡፡
ኣመሪካ፣ ዩናይትድ ኪንግደምን ጀርመንን ካብተን ዜጋታተን ካብ ዩክረይን ክወጽኡ ዝጸውዓ ሃገራት እየን፡፡
ኣብ ወሰና ወሰን ዩክረይን ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ ዘላ ሩስያ፡ ወራር ናይ ምፍጻም ዕላማ ከም ዘይብላ እያ እትገልጽ፡፡
ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍጻም ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ ምዃኑ ገሊጹሉ፡፡
እቲ ወራር ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክጅምር ከም ዝኽእል እተጠንቅቕ ዘላ ኣመሪካ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣቢሉ ክጅምር ከም ዝኽእል ትገልጽ፡፡
ሩስያ ግና ነዚ መጠንቀቕታ ‘‘ናብ ነገር ዘእቱ ግምት’’ ክትብል ትነጽጎ፡፡
ኣመሪካ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ከይቭ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክወጽኡ ዝኣዘዘት ኮይና፡ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ልቪቭ ካብ ዝተረፉ ህጹጽ ስራሕቲ ቆንስላ ዘሳልጡ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ወጻኢ ናይ ቆንስላ ስራሕቲ ኣወንዚፋቶ ኣላ፡፡
ካናዳ ብተመሳሳሊ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዝሰርሑ ዜጋታታ ናብታ ምስ ፖላንድ ኣብ ዘዋስን ከባቢ እትርከብ ከተማ ልቪቭ ከም ዘግዓዘት ገሊጻ፡፡
ኣምባሳደር ዩኬ ኣብ ዩክረይን መሊንዳ ሳይመንስ፡ ንሳን ውሑዳት ኣድለይቲ ኣባላትን ጥራሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ከይቭ ከም ዝጸንሑ ሓቢራ ኣላ፡፡
ብመንግስቲ ዩክረይን ወይ ካልኦት ሃገራት ትንኮያ ክፍጸመኒ ይኽእል እዩ ዝበለት ሩስያ እውን በዝሒ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኤምባሲኣ ዘለዉ ሰራሕተኛታታ ከምእተመዓራርይ ገሊጻ፡፡
ኣመሪካ ንወተሃደራት ዩክረይን ከሰልጥኑ ዝጸንሑ ኣስታት 150 ወታሃደራታ እውን ስሒባ ኣላ፡፡
መገዲ ኣየር ደች ኬኤልኤም ናብ ዩክረይን ዝገብሮ በረራ ብቕልጡፍ ደው ከም ዘብሎ መራኸብቲ ብዙሃን ደች (ሆላንድ) ገሊጸን፡፡
ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ግና ምዕራባውያን ሩስያ ንዩክረይን ከምእትወራ ዘረጋግጽ ሙሉእ ጭብጢ እንተዳኣሃልዩወን ገና ዝረአ ከም ዝኾነ ሓቢሩ፡፡
ውሱን ስግኣታት ከም ዘለዉ ዝሓበረ እቲ መራሒ "ፈደሬሽን ሩስያ ንዩክረይን ከምእትወራ ምኢቲ ምኢታዊት ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ዘለኩም ኣካፍሉና" ኢሉ ኣሎ፡፡
ሃገራት ኣውስትራልያ፣ ጥልያን፣ እስራኤል፣ ኔዘርላንድን ዜጋታተን ካብ ዩክረይን ከወጹ ዘተሓሳሰባ ኮይነን፡ ካልኦት ድማ ልኡኻተንን ስድራቤቶምን ካብታ ሃገር ኣውጺአን ኣለዋ፡፡
ፕረዚደንት ባይደን እቲ ወራር እንተተፈጺሙ ‘‘ኣብ ልዕሊ ሩስያ ቅልጡፍን ዝኸፍአን ሳዕቤን’’ ከም ዝበጽሕ ንፕረዚደንት ፑቲን ከም ዝገለጸሉ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት፡፡