ወጥሪ ዩክረይን፡ ወራር ሩስያ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ክጅመር ከምዝኽእል ኣመሪካ ኣጠንቂቓ

ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ዝኾነ እዋን ንምውረር ዘኽእልዋ ወተሃደራት ስለዝወዝዐት ኣመሪካውያን ኣብ ዝቕጽሉ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገረር ክወጽኡ ኣለዎም ክብል መንግስቲ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።

እቲ ወራር ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ክጅመር ከምዝኽእልን እዚ ድማ ሰለማውያን ሰባት ካብታ ሃገር ንኸይወጽኡ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ዋይት ሃውስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሩስያ፡ ንዩክረይን ንምውረር ዋላ ሓንቲ ውጥን ከምዘይብላ ክትገልጽ’ኳ እንተጸንሐት ናብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ ከባቢ ግን ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ወተሃደራት ኣጸጊዓ እላ።

ካልኦት ሃገራት’ውን ዜጋታተን ካብ ዩክረይን ክወጽኡ ከምዘለዎም ኣጠንቂቐን ኣለዋ። ካብተን ዜጋታተን ንኽወጽኡ ዝጸውዓ ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ኔዘርላንድ፣ ላቲቭያ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ይርከብአን።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ምዕራባውያን ሃገራት ስኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሓ ከምዘለዋ ከሲሱ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጃኬ ሱሊቭያን ሰራዊት ሩስያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ዘኽእሎም ቁመና ከምዝርከቡ ብምግላጽ፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ስለምንታይ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ይህቡ ከምዘለዉ ንጹር ኮይኑ’ሎ።

“ብርግጽ ብዛዕባ መጻኢ ክንእምት ኣይንኽእልን፣ ብልክዕ እንታይ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣይንፈልጥን። እንተኾነ ግን እቲ ስግኣት ሰማይ ዓሪጉ’ሎ” ኢሉ።

ሱሊቭያን ኣስዒቡ ምምሕዳር ኣመሪካ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን ዩክረይን ንምውራር ናይ መወዳእታ ውሳነ ምሃቡ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ እንተኾነ ግን ክረሚሊን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንኽወሰድ ይጽውዕ ስለዘሎ እቲ ወራር ብናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ክጅመር ከምዝኽእል ግምቱ ኣቐሚጡ።

ርእይቶ ናይቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዶባት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ መጠንቀቕታ ይህቡ ኣብ ዘለውሉ ግዜ’ዩ።

ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቁጽሪ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዶባት ሩስያን ዩክረይንን እንዳወሰኸ ምምጽኡ “ጉዳይ ሩስያ ሰማይ ከምዝዓረገ ዘመላኽት’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ሩስያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ እትወስደሉ ግዜ ኣብኡ ንዝተረፉ ዜጋታት ንምድሓን ወተሃደራቱ ከምዘይልእኽ ኣፍሊጡ።

ባይደን ትማሊ ዓርቢ ምስ መራሕቲ ሃገራት ትራንስኣትላንቲክ ብመገዲ ቪድዮ ዋዕላ ኣብ ዘካየደሉ፡ እተን ሃገራት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር እንተድኣ ፈጺማ ኣብ ርእሲኣ ሰፍ ዘይብል ቁጠባዊ ቁልውላው ከስዕበላ ዝኽእል ናይ ሓባር ስጉምቲ ክውሰደላ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ኣመሪካ ካብ ሰሜን ካሮላይን ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ወተሃደራት ናብ ፖላንድ ክትውዝዕ ከምዝኾነት ዝተገለጸ ኮይኑ እቶም ወተሃደራት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ፖላንድ ክኣትዉ ትጽቢት ኣሎ።

እቶም ወተሃደራት ኣብ ዩክረይን ክዋግኡ ዘይኮኑስ ንመሻርኽቲ ኣመሪካ ምክልኻል ከምዝኾነ'ውን ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ሎሚ ቀዳም ንፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን ከዛርበዎ ትጽቢት ይግበር።