ዩክረይን: መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣንጻር ሩስያ ምሕባሮም ገሊጾም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሩስያ ንዩክረይን ንምውራር ትዳሎ ከምዘላ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ፍጹም ሓድነት ከምዝተፈጠረ ገሊጹ።

ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ተሰጊኡ ዘሎ ወራር ሩስያ ንምምካት ናይ ሓባር ስትራተጂ ንምቕራጽ ይጓየይሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ፡ ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ መሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮጳ ብቪድዮ ዝርርብ ገይሩ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር እንተደኣፈጺማ፡ ዘየማትእ እገዳ ከምዝጽበያ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ሩስያ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ናብ ዶባት ዩክረየይን ኣጸጊዓ እንተላ'ኳ፡ ነታ ሃገር ናይ ምውራር ትልሚ ከምዘይብላ እያ ትገልጽ።

ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብቪድዮ ዝተገብረ ዝርርብ፡ መራሕቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፥ ፖላንድን ሕብረት ኣውሮጳን ተረኺቦም።

ላዕለዋይ ሓላፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ -ኔቶ ዝኾነ ጄንስ ስቶልተንበርግ'ውን ኣብቲ ዝርርብ ከም እተሳተፈ ተገሊጹ።

"ኣዝዩ ደስ ዝብል ኣኼባ እየ ኣካይደ። ምስ መራሕቲ ኣውሮጳ ፍጹም ሓድነት ተፈጢሩ ኣሎ" ኢሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ "ኣንጻር እቲ ካብ ሩስያ ዝነቅል ዘሎ ተጻብኦ፡ ዓለማዊ ሓድነት ምፍጣር ከምዘድሊ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

ትማሊ ሰኑይ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣስታት 8,500 ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ክወፍሩ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብቐጥታ ናብ ዩክረይን ወተሃደራት ንምልኣኽ ግን ኣይተተለመን ድማ ኢሉ።

ከም በዓል ዴንማርክ፣ ስጳኛ፣ ፈረንሳን ኔዘርላንድስን ዝኣመሳለ ካልኦት ኣባል ሃገራት ኔቶ ድማ ተዋጋእቲ ነፈርትን ሓይሊ ባሕርን ናብቲ ካበቢ ምንቅስቓስ ክጅምራ ሃቂነን ኣለዋ።

እንተኾነ ሓላፊ ፕሬስ ሴክሬታሪ ፔንታጎን፡ ጆን ኪርበይ፡ እቶም ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ዝጅመሩ ኔቶ እንተወሲኑ ወይ ድማ ኣብቲ ዶባት ብሸነኽ ሩስያ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምዕባለ እንተተተራእዩ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ 90 ቶን ዝጽጋዕ ጠያይቲ ሓዊሱ 'ወተሃደራዊ ኣጽዋር' ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ተጓዓዒዙ ኣሎ ተባሂሉ።

ትማሊ ሰኑይ ድማ ቀዳማይ ሚነሲተር ጆንሶን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ዝኮነት ኪይቭ 'መብረቓዊ' መጥቃዕቲ ንፍጻም ትዳሎ ከምዘላ ኣፋፍኖት መረዳእታ ኣለና ኢሉ።

"እቲ ዘለና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክረይን 60 ተዋጋእቲ ጉጅለታት ሰራዊት ኣጸጊዓ ኣላ፤ ኣብ ልዕሊ ኼይቭ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ዝዓለመ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ዝሪኦ እዩ" ኢሉ።

"ንመንግስቲ ሩስያ ግልጺ ክንገብረሉ እንደሊ ነገር እንተሎ፡ ኣዝዩ ኣዕናዋይ ስጉምቲ እዩ ክኸውን" ክብል ኣጠንቂቑ።

ሩስያ ንኔቶ ከም ስግኣት ከምእትምልከቶን፡ ናብቲ ካባቢ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ደው ከብልን ሕጋዊ ውሕስና ከምእትደልን ገሊጻ ነይራ።

ኣመሪካ ግን፡ እቲ ዘስግእ ዘሎ ጉዳይ ናይ ኔቶ ምስፍፋሕ ዘይኮነስ፡ ብሩስያ ዝህቀን ዘሎ ወራር እዩ ኢላ።

ኣመሪካ፡ ኣባላት ስድራ ሰራሕተኛታት ኣብ ኼይቭ ዝርከብ ኢምባሲአ ክወጽኡ ዝሓተተት ኮይና፡ እንግሊዝ ድማ ሰራሕተኛታት ኢምባሲኣ ክተውጽእ ጀሚራ ኣላ።