እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ጉዳይ ወጥሪ ዩክሬይን የዘሓሕል’ዩ ዝበለቶ ጠለባት ኣቕሪባ
ሩስያ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ኔቶ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮፓ ዘካይዶ ንጥፈታት ድሩት ክኸውን ከም ዘለዎ ጠሊባ።
እቲ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝመንመነ ጠለባት ሩስያ፡ ምዕራባውያን ሩስያ ንጎረቤታ ዩክረይን ክትወራ ትኽእል’ያ ዝብል ሻቕሎት ሓዲርወን ኣብ ዘለሉ እዋን’ዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ሩስያ ንዩክረይን ክትወርር ትኽእል እያ ዝብል ፍርሒ ምዕራባውያን’ኳ እንተነጸገቶ እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ምትፍናን ክሃድእ እንተድኣኾይኑ ግን ኔቶ ንዩክረይንን ካልኦት ናብቲ ቃል ኪዳን ዝጽመበራ ዘለዋ ሃገራት ከውጽአን ድልየት ኣለዋ።
ሩስያ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ህጹጽ ዘተ ክትገብር ከም እትደሊ’ውን ኣፍሊጣ ኣላ። ኣመሪካ ብወገና እቲ ዘተ ካብ ቀደሙ’ውን እንተኾነ ክፉት ምንባሩ ብምግላጽ እንተኾነ ግን ዘለዋ ስኽፍታታት ኣብቲ ናይ ዘተ መድረኽ ክተቕርቦ ትኸውን’ያ።
“ምስ ሩስያ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ሃገራት ኣውሮፓ ዘድሃበ ዝርርብ ነይሩና’ዩ” ኣማኻሪ ጉዳያት ሃገራዊ ጸጥታ ጃኬ ሱሊቭያን ትማሊ ዓርቢ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ “እቲ ዘተ ሓለሓሊፉ ለውጢ ዝነበሮ’ዩ፤ ኣብ ገለ ገሊኡ ድማ መሀከይ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ንዘተ ተዳሊና ኢና” ኢሉ እቲ ኣማኻሪ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳኪ ትማሊ ዓርቢ ቅድሚ ቀትሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣመሪካ ንብሕታ ናብ ዘተ ከም ዘይተምርሕ ገሊጻ።
“መሻርኽትና ሃገራት ኣውሮፓ ዘይሳተፋሉ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ኣውሮፓ ዘድሃበ ልዝብ ኣይክህሉን’ዩ” ኢላ።
ኣውሮፓ ካብ ሶቭየት ዩኒየን ነበር ከጋጥምዋ ካብ ዝኽእሉ ስግኣታት ንምክልኻል ዕላማ ተሓንጊጡ ዝተጣየሸ ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ኔቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባልቲክ ሪፐብሊክን ፖላንድን ሓይልታት ከም ዘለዎ ይግለጽ።
ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ርያበኮቭ፡ ሃገሩ ሩስያ ንኣመሪካን ኔቶን ክልተ ናይ ስምምዕ ውጥናት ከም ዘቕረበትሎም ሓቢሩ።
ንሱ ካብ ምግባር ወጻእ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይነበረ ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን “ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያንን ኣብ ዘይምትእምማን ዝተሰረተ ርክብ’ዩ” ኢሉ።
ሩስያ ድሕሪ ውድቀት ሶቭየት ዩኒየን ናብ ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ኔቶ ዝተጸምበራ ሃገራት ንሩስያ ስግኣት ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ወተሃደራት ኮነ ኣጽዋር ኵናት ከጸግዓ ከም ዘይብለን ከም ሓደ ጠለብ ኣቕሪባቶ እያ።
እዚ ማለት መጥቃዕቲ ከካይድሉ ካብ ዝኽእሉ ከበድቲ ተተኮስትን ናይ ውግእ መራኽብን ኣብ ዙርያ ክሊ ኣየርን ማያዊ ኣካልን ሩስያ ክንቀሳቐሳ ኣይፍቀደለንን ማለት እዩ።
ብኻልእ ኣዘራርባ ጠለብ ሩስያ ኔቶ ኣብ ባልቲክ ሪፐብሊክን ፖላንድን ዋላ ሓንቲ ግደ ኣይክጻወትን ማለት’ዩ።