እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ባልድዊን ኣብ እዋን ቀረጻ ጥይት ተኲሱ ሰብ ቀቲሉ
ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ፊልም ኣሌክ ባልድዊን ኣብ እዋን ቀረጻ፡ ንቐረጻ ተባሂሉ ዝተዳለወ ብረት ተኲሱ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀቲሉ።
ኣሌክ ባልድዊን ኣብቲ ናይ ቀረጻ እዋን ስሩዕ ዘይኮነ ንቐረጻ ዘገልግል ብረት ምስ ተኮሰ ነታ ሰበይቲ ክቐትላ እንከሎ ሓደ ሰብ ቖሲሉ።
እዚ፡ ሴንቸሪ ዌስተርን ረስት ዝብል ፊልም ኣብ ዝቕረጸሉ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ፖሊስ ገሊጹ።
እታ ግዳይ ናብ ሆስፒታል'ኳ እንተተወስደት በቲ ዝበጽሓ ጉድኣት ክትድሕን ኣይክኣለትን። እቲ ዝቖሰለ ኣላዪ እታ ፊልም ድማ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሉ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ተዋሳኢ ባልድዊን ንማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ባዶ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ ስሩዕ ዘይኮነ ብረት ብጌጋ ምስ ተተኮሰ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ ኢሉ።
እታ ህይወታ ዝሓለፈ ጓል 42 ዓመት ሃልይና ሁትቺንስ ዝተባህለት ዳይሬክተር ስእሊ ኮይና ተገልግል ዝነበረት እያ።
ኣላዪ እታ ፊልም ድማ ወዲ 48 ዓመት ዮኤል ሱዛ ኮይኑ፡ ባልዲውን ተሓባባሪ ፕሮዲዩሰር እታ ፊልም እዩ።
እቲ ሓደጋ ኣብቲ ፍሉጥ ፊልም ዝቕረጸሉ ቦናንዛ ክሪክ ራንች ዝተባህለ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ።
ፖሊስ ኣብቲ ጉዳይ መርመራ'ኳ እንተጀመረ ክሳብ ሕጂ ግን ክሲ ኣይተመስረተን።
ሳንታ ፌ ኒው ሜክሲካን ዝተባህለት ጋዜጣ ወዲ 68 ዓመት ባልድዊን ብሓሙስ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ እናበኸየ ከም ዝተራእየ ጸብጺባ።
እታ መዋቲት ካብ ዩክሬይን ከም ዝመጽአት ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሶቭየት ከም ዝዓበየትን ኣብ ኣመሪካ ጋዜጠኝነትን ፊልምን ከም ዘጽንዐት ጠቒሳ።
ብ2019 ድማ መጽሄት ሲነማቶግራፈር ኣመሪካ 'ተስፋ ዘለዋ' በዓልቲ ሞያ ክብል ሓሪዩዋ ነይሩ።
ኣብቲ ብግብጻዊ ኣላዪ ኣዳም ሞርቲመር ኣብ 2020 ዝፈረየ ፊልም 'Archenemy' ኣላዪት ስእሊ'ያ ነይራ።
"ብሞት ሃሊይና ሓዚነ'የ፤ ዳግም ከምዚ ዓይነት ክስተት ከይፍጠር ክኣ ስግኣት ሓዲሩኒ ኣሎ" ክብል ብትዊተር ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
ዓለምለኸ ሲኒማቶግራፈር ጊልድ ሞት እታ ክኢላ "ዘሕዝንን ክፉእ ክሳራን" ክብል ገሊጹዎ።
ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ባልድዊን፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ፊልምታትን ናይ ቴሌቪዥን ድራማታትን ክዋሳእ ዝጸንሐን ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝወሰደን እዩ።