ኣብ ጠፈር ንመጀመርታ ግዜ ምሉእ ፊልም ዝሰኣለት ሩስያዊት ጉጅለ

ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ሓደ ሩስያዊ ጕጅለ ፊልም፡ ተዋሳኢት ዩልያ ፐርሲልድ፡ ኣላዪ ፊልም (ዳይረክተር) ክላሲም ሺፈንኮን ኖቭትስኪይን ኣብ ህዋ ናይ መጀመርታ ፊልም ስኢሎም ብደሓነ ሰላም ብሓባር ናብ ዓዶም ተመሊሶም።

እቶም ሞያውያን ነቲ ፊልም ክስእሉ ን12 መዓልታት ኣብ ህዋ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ተበጊሶም ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ካዛኪስታን ዓሊቦም።

ሓላፊ ትካል ሮዝኮስሞስ ዲሚትሪ ሮጎዚን፡ ነቶም ካብቲ ቆፎ ፓራሹት ዝወጹ ጉጅለ ፊልም ጠፈርተኛታት ብኣድናቖት ተቐቢሉዎም። ብዙሓት ሰኣልትን ጋዜጠኛታት ከምኡ'ውን ኣካል ናይቲ ፊልም ዝኾኑ ሰኣልቲ ፊልም እቲ ፓራሹት ኣብ ምድሪ ክዓልብ እንከሎ ብፊልም ቐዲሖምዎ።

እቶም ገያሾ ጠፈር ኣብ ካዛኪስታን ምስ ዓለቡን ኣፈናዊ ሕክምናዊ መርመራ ምስተገብረሎምን ፈለማ ብሄሊኮፕተር ናብ ከተማ ካራጋንዳ ካዛኪስታን ብድሕሪኡ ብነፋሪት ን10 መዓልቲ ከዕርፉሉን ክሕደሱሉ ናብ ዝኽእሉ ቦታ ግዒዞም።

እቶም ገያሾ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምላሶም፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብታ መንኮርኮር ብርቱዕ ኖትጒ ኣጋጢሙ። እንተኾነ እቶም ሰራሕተኛታት ጠፈር ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ተቖጻጺሮሞ።

እቲ ኣብታ መንኮርኮር እተገጥመ ኩለንትናዊ መቆጻጸሪ ከኣ ስለምንታይ ከምኡ ከምዘጋጠመ ስለዝስንዶ ነቲ ጠንቂ ንምርዳእ ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለው ሓቢሮም።

እቲ መደበር ጠፈር፡ ኣብ ሓምለ'ውን ተመሳሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዎ ነይሩ።

"እቶም ገያሾ (ቐረጽቲ ፊልምን ተዋሳኢትን) ንቑሓት ስለዝነበሩ ግን ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ኣየጋጠሞምን"

እቶም ብ5 ጥቅምቲ ናብ ጠፈር ዝተጓዕዙ ሩስያውያን ናይ ፊልም ኪኢላታት ኣብ 12 መዓልታት ምስታ ካብ ምድሪ ናብ ህዋ እተተኰሰት መንኮርኮር በሪሮም ነታ "ቻለንጅ (ብደሆ)" ዘርእስታ ፊልም ብቪድዮ ቀሪጾም ብሰላም ናብ መሬት ተመሊሶም።

ብዛዕባ እታ ብደሆ እተሰምየት ፊልም ብዙሕ ዝተነግረ ዝርዝር እኳ እንተዘየሎ እቲ ኣብ ኣይ.ኤስ ኤስ ( ኣብ ጠፈር) እተሳእለ ክፋል ግን፡ ንሓደ ኣብ ምድሪ ክፍወስ ዘይክእል ሕሙም ኣብ ህዋ ምሕካም እዩ።

እታ ፊልም ካብ ሓላፊ ትካል ጠፈር ሮስኮስሞስ ዝመንጨወት እያ። ሓደ እዋን እቲ ሓላፊ ነቲ ዕዮ ብሓላፍነት ምስ ዝመርሑዎ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ስለዘይተሰማምዐ ካብ ስርሖም ሰጒጉዎም።

ኣብታ ናይ ጠፈር ተልእኾ ዝነበረ ሰርጌ ኪርካለቭ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እቲ ምስጓግ ናብ ስርሑ እኳ እንተተመልሰ በቲ ዘጋጠመ ነገር ግን ኣዝዩ እዩ ተቖጢዑ ነይሩ።

እታ ፊልም ኣብ መንጎ'ቲ ኣብ ሩስያ ዝመደበሩ ትካል ሮስኮስሞስን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላት ቻነል ሓደን "የለው ስቱድዮ"ን፡ ብዝተገብረ ንግዳዊ ስምምዕ እያ ትስራሕ ዘላ።

ኣብ ህዋ ሓጸርቲ ፊልምታት ይቕረጽ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ሩስያ ጥራሕ እያ ሓደ ነዊሕ ዛንታ ፊልም ኣብ ጠፈር ሰሪሓ ዘላ።

እቶም ኣብ ሩስያ ፍሉጣት ዝዀኑ ፐርሲልድን ሺፈንኮን፡ ኣብ ሕዳር (2020) ብሮስኮስሞስ ዝብሃል ትካል ኣብ ጠፈር ፊልም ንምስኣል ብሃገር ደረጃ ውድድር ምስ ተኸፍተ እዮም ተመሪጾም። ፐርሲልድ ኣብ ሓያሎ ናይ ሩስያ ፊልምታትን ናይ ቲቪ ተኸታታሊት ፊልምታትን ትዋሳእ እያ።

እዞም ክልተ ሲቪል እታ ተዋሳኢትን እቲ ዳይረክተርን ቅድሚ ናብ ጠፈር ምብራሮም ኣብ ምድሪ ጽዑቕ ልምምድን ናይ ፓራሹት ስልጠናን ወሲዶም እዮም።

እታ ፊልም "ሓደ ክፋል ናይ ሓደ ሰፊሕ ስነ-ፍልጠታውን ትምህርታውን ፕሮጀክት ኮይና ብዛዕባ ናይ ሮኬትን ናይ ጠፈር ኢንዱስትሪን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምፍራይ ናይ ጠፈር መንኮርኮርን ኣብ ናይ መሬት ትሕተ-ቅርጺታት ዘጠቓለለ ተኸታታሊ ሰነድ ክትከውን እያ። ብመሰረት ትካል ጠፈር ሮስኮስሞስ፡ ኣብ መጻኢ በረራ ጠፈር ንሰብ ሞያ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሎም ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ክፉት ክኸውን ከምዝኽእል ትእምት እያ።