እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናሳ ናይ 23 ሚልዮን ዶላር ዓይኒ-ምድሪ ናብ ጠፈር ይልእኽ
ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ናብቲ ኣብ ህዋ ዓለምና ዘዘንቢ ኣብ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ መደበር ምርምር ጠፈር፡ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ዓይኒ-ምድሪ ከልእኽ እዩ።
እቲ ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ምስ ተፈተነ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ወርሒ ንዝግበሩ ናይ ምርምር ጉዕዞታት ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ።
ብፍላይ እዚ ስርዓተ ባዶሽ (ቫክዩም) መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ ዓይኒ ምድሪ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጠፈርተኛታት ዜጥዕም ኮይኑ ዝተዳለወ እዩ ተባሂሉ።
ነቲ ዓይኒ-ምድሪ ዝጽዕን መንኮርኮር ብሓሙስ ካብ ዋሎፕስ ኣይላንድ፡ ቨርጂንያ ክውንጨፍ ትጽቢት ተጌሩ ነይሩ።
እንተኾነ ግና ክውንጨፍ ሰለስተ ደቓይቕ ምስ ተረፎ፡ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ተቋሪጹ።
እቲ ዓይኒ-ምድሪ ከም ዝኾነ ንእስ ዝበለ ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪ ዝመሳሰል ክኸውን እንከሎ፡ ኣጠቓቕምኡ ግን ካብቲ ኣብ መሬት ዝርከብ ዝተፈለየ እዩ።
ስሕበት ምድሪ ኣብ ዘይብሉ ስፍራ፡ እቲ መሳርሒ ርስሓት ካብ ኣካላት ሰባት ስሒቡ ብምውጻእ፡ ጠፈርተኛታት ክጸራረዩ ይሕግዝ።
ናይ ጠፈር ዓይኒ-ምድሪ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ምስቲ ሓመድ ካብ መንጸፍ ንምጽራይ እንጥቀመሉ 'ቫክዩም ክሊነር' ዝመሳሰል እዩ።
ርስሓት ካብ ኣካላት ብምስሓብ ናብቲ ዝተዳለወሉ መዕቆሪ ይሰድድ። ጨናን ባክቴርያን ድማ ብምልኣት የጽሪ።
እቲ ዓይኒ-ምድሪ 45 ኪሎግራም ክብደት ክህልዎ እንከሎ፤ 71 ሴንቲሜተር ቁመት ኣለዎ።
እዚ ሕጂ ተዳልዩ ዘሎ ዓይኒ-ምድሪ ካብቲ ዝጸንሐ ብ65% ከም ዝንእስን ክብደቱ'ውን ብ40% ከም ዝፎኩስን ተገሊጹ።
ኣዳለውቲ እቲ ንድፊ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዓይኒ-ምድሪ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ጠፈርተኛታት ከምዝተዳለወ ተዛሪቦም።
ጠፈርተኛታት ንሽንቲ ማይ ክሸኑ ምስ ዝደልዩ፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎም ጥርሙስ ይጥቀሙ።
እቲ ሽንቲ፡ ኣድላዪ ምጽራያት ተገይሩሉ፡ ደጊሙ ንምስታይ ከም ዝውዕል ይግበር።