እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ፕላነት ማርስ ዝተወንጨፈት መንኮርኮር ንተመራመርቲ ስነ ጠፈር ዓወት ኣበሲራ
ተመራመርቲ ትካል ስነ-ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ እታ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ናብ ህዋ ዝወንጨፉዋ መንኮርኮር ከም ሃረርትኦም ብሰላም ናብ ፕላነት ማርስ ምዕላባ ዓቢ ሓጎስ ፈጢሩሎም ኣሎ።
እታ 'ፐርሲቪራንስ (ሓቦ) ዝተባህለት መንኮርኮር ጠፈር፡ ድሕሪ ናይ ሚልዮናት ኪሎሜትራት ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሓደ ኣብታ ፕላነት ዝርከብ "ጀዜሮ ክሬተር" ዝብል መጽናዕታዊ ስም ዝተዋህቦ ዓᎁቕ ቦታ ከምቲ ዝተመደበላ ምዕላባ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እታ ብሓንቲ ንኡሽቶ ሄሊኮፕተር ተሰንያ ኣብ ገጽ እታ "ቀያሕ ፕላነት" ረጊጻ ዘላ መንኮርኮር፡ ኣሰር ሂወት ንምርካብ ሃሰስ ክትብል ትጽቢት ይግበረላ።
ድሮ ንተቖጻጸርታ ናይ ብስራት ስእልታት ዝሰደደት ፐርሲቪራንስ፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታትን ኣዋርሕን ብርክት ዝበለ ሓበሬታ ናብ ምድሪ ክትልእኽ ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩላ ኣሎ።
እታ ሓደ ቶን ዝኽብደታ ሮቦታዊት መንኮርኮር፡ ተሰሪሓ ናብ መዕለቢኣ ክሳብ እትበጽሕ ልዕሊ 2.7 ቢልዮን ዶላር ወዲኣ'ላ።
ነቲ ስእልታትን ሓበሬታታትን ናብ ምድሪ ንምስግጋር ካልኦት ሳተላይታት ኣብ ልዕሊኣ ክዝምብያ ምጅማረን እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።
በቶም ኣብ ምድሪ ኮይኖም ዝቆጻጸርዋ ተመራመርቲ እናተደገፈትን ብምዕቡል መሳሪሒታታ እናተመርሐትን ዳህሳሳ ክትጅምር'ያ።
ነዚ ዕማም'ዚ ብግቡእ ንምፍጻም ድማ ዝተፈላለዩ ካሜራታትን መሰሪሒታትን ዝተሶዂዕሎም ብዙሓት መሓውራት ኣለዉዋ።
ካብተን ቅድሚ ሕጂ ናብታ ፕላነት ዝዓልባ ዝነበራ መንኮርኮራት ፍልይ ዝገብራ፡ ዝሓየለ ናይ ቪድዮን ደረቕን ካሜራታት ዝወነነት ምዃና'ዩ። ዝበለጸን ዝነጸረን ስእልታት ክትሰድድ ድማ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩላ ይርከብ።
"ንመጀመርታ እዋን፡ ብኣዝዩ ንጹር [ሃይ ደፊኒሽን] ዝተቐድሐ ምዕላብ ናብ ካልእ ፕላነት ክንዕዘብ ኢና" ክብል ምክትል ሓላፊ ናይቲ ፕሮጀክት ማት ዋለስ ብሓጎስ ተዛሪቡ።
እታ ነታ መንኮርኮር ናብ ማዕልቦኣ ንክትበጽሕ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዝነበራ ስዋቲ ሞሃን ብወገና፡ ነቲ ዕዉት ምዕላብ ከተበስር ናይ ክብሪ ሓላፍነት ተዋሂብዋ ነይሩ።
"ኩሉ ኣቶኩሮይ እንታይ ሰሚዐ እንታይ ከምዝብል ንምፍላጥ'ዩ ተጸሚዱ ነይሩ። 'ምዕላባ ተረጋጊጹ' ምስ በልኩን ኩሉ ሰብ ብሓጎስ ክዕልል ምስ ጀመረ ድማ'ዩ ተፈሊጡኒ። 'እዋይ ተዓዊትና ማለት'ዩ' ኢለ። ኣብ ማርስ ኢና ዘለና። እዚ ልምምድ ኣይኮነን፡ ናይ ብሓቂ'ዩ" ክትብል ክቱር ስምዒታ ንቢቢሲ ኣካፊላ።
ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ቁጽሪ ናይቶ ኣብቲ ናይ መቆጻጸሪ መደበር ጠፈር ናይቲ ትካል ዝተረኽቡ ሰባት ድሩት'ዩ ነይሩ።
ሓቦ፡ ልዕሊ 5 ወርሒ ዝወሰደላ ናይ ኣስታት 470 ሚልዮን ኪሜ ጉዕዞ ድሕሪ ምሽፋን'ያ፡ ኣብታ መተካእታ ፕላነት ምድሪ ክትከውን ተስፋ ዝግበረላ "ቀያሕ ፕላነት" ኣትያ ዘላ።
ነቲ እትእክቦ ቅምሶታት ሓመደ-እምኒ ናብ ምድሪ ንምምጻእ፡ ካልእ መንኮርኮር ክትስደድ ምዃና ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተወንጨፈት ካልእ መንኮርረር ኣብ ጠፈር ናይታ ፕላነት ብሰላም ምብጽሓ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ይኹን ማእከላይ ንምብራቕ ታሪኻዊ ምርምር ስነጠፈር ብምዃን ተመዝጊቡ ይርከብ።
እታ "ተስፋ" ዝብል ዝተዋህባ መንኮርኮር ኢማራት ዓረብ ንኩነታት ኣየርን ክሌማን ማርስ ከተጽንዕ ትጽቢት ይግበረላ። ድሮ ዘገርም ምስልታት ናይታ እትዞራ ዘላ ፕላነት ሰዲዳ'ላ።