እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ማርስ ሄሊኮፕተር ክትሰድድ ሓላፍነት ዝተውሃባ ተመራማሪት
ሚሚ ኣንግ ኣብ ናሳ ክፍሊ ሳይንስን ምህንድስናን፡ ናይ ሓደ ፕሮጀክት ሓላፊት ኮይና እትሰርሕ ዘላ ተመራማሪት እያ። ናሳ ኣብ 2020 ናብ ማርስ ክልእኻ ተሊምዋ ንዘሎ ሄሊኮፕተር ኣብ ምስራሕ ብሓላፍነት ትመርሕ። ናብቲ ሕዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ ናይ ኣዲኣ ግደ ልዑል ምንባሩ ትዛረብ።