እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ማርስ ሳተላይት ወንጪፋ
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ‘ታሪኻዊ ስርሒት’ ዝተበሃለላ ፈላሚት ሳተላይት ናብ ማርስ ኣበጊሳ።
እዛ ካብ ኣብ ጃፓን ዝርከብ መደበር ታናጋሽማ ዝተበገሰት ‘ተስፋ’ ዝተሰመየት ሳተላይት ንኹነታት ኣየርን ክሊማን ፕላነት ማርስ ንምጽናዕ ዝተበገሰት ኮይና፡ ናብ ዕላማኣ ንኽትበጽሕ 500 ሚልዮን ኪሎሜተር ጉዕዞ ይጽበያ ኣሎ።
እታ ሳተላይት፡ 'ኤች2-ኤ' ብዝተሰመየ ሮኬት ተጸይራ’ያ ጉዕዞኣ ጀሚራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ክትብገስ እኳ ውጥን ወጺኡ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዘይምቹእ ኩነታት ኣየር እቲ ናይ ምብጋስ ውጥን ክልተ ግዜ ክናዋሕ ተገዲዱ’ዩ።
ሳተላይት 'ሆፕ' ኣብ ለካቲት 2021 እያ ኣብ መዓልቦኣ ክትበጽሕ። እዚ ከኣ፤ ምስ መበል 50 ዓመት ምምስራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ስለዝሳነ፡ ኣብታ ሃገር ፍሉይ ነገር ይገብሮ።
ነቲ መስርሕ ምብጋስ እዛ ሳተላይት ላዕለወይቲ ሓላፊት ኮይና እትመርሖ ሳራ ኣል ኣሚሪ፡ እታ ሳተላይት ናብ ሰማይ ገጻ ኣንቃዕሪራ ብሰላም ጉዕዞኣ ምጅማራ ‘እፎይታ’ ከምዝፈጠረላ’ያ ትሕብር።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሃገራ ዝፈጥሮ ስምዒት ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ኣሜሪካውያን ኣፖሎ 11 ቅድሚ 51 ዓመታት ኣብ 20 ሓምለ ኣብ ወርሒ ክትዓልብ ምስ ረኣይዋ ዝተሰመዖም ስምዒት፡ ምስኡ ከምዝዳረግ እያ ትጠቅስ።
“ሎሚ ኣዝየ’የ ተሓቢነ ዘለኹ፡ ህጻናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ን20 ሓምለ ምስ ዛንተኦም ኣተሓሒዞም እዮም ክዝክርዎ፡ ሓደ ሓዲሽ ሓቅን ሓዲሽ ተኽእሎታትን ብምፍጣር ኣብ ዓለም ጸላዊ ዝኾነ ምህዞታት ንኸበርክቱ ዕድል ዝጸጥር ኣጋጣሚ’ዩ” ድማ ትብል።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ካብተን ኣብ'ዚ ወርሒ እዚ ናብ ማርስ ሳተላይት ክውንጭፋ ዝወጠና ሰለስተ ሃገራት ኮይና እያ ጸኒሓ።
ቻይናን ኣሜሪካን ካብተን ኣብዚ ወርሒ እዚ ናብ ማርስ ሳተላይት ክውንጭፋ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከባ ሃገራት እየን።