ኮሮናቫይረስ፡ ኣብያተ ሲነማ ቻይና ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳግማይ ይኽፈታ’ለዋ

ኣብያተ ሲነማ ቻይና፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ድሕሪ ምዕጻወን፡ ዳጋማይ ይኽፈታ ኣለዋ።

ምምሕዳር ኣብያተ ሲነማ ቻይና፡ እተን ኣብ ‘ዘየሻቕል ኩነታት’ ዘለዋ ሲነማታት ዳግማይ ሰረሐን ክጅምራ’ዩ ኣዊጁ ዘሎ።

ዝዓበየ ክፋል ቻይና፡ ኣብ ትሑት ሓደጋ መልከፍቲ ወይ ኣብ ዘየሻቀል ኩነታት ከምዘሎ ስለዝተሓበረ ድማ፡ ዝበዝሓ ኣብያተ ሲነማ ናይታ ሃገር፡ ዳግማይ ስራሕ ይጅምራ ኣለዋ።

ኣብያተ ሲነማ ቻይና፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ቻይና ዝተኣወጀ ምሉእ ዕጽዋ፡ ካብቲ ብኸቢድ ዝተሃስየ ጽላታት እታ ሃገር እዩ።

እተን ዳግማይ ዝጅመራ ዘለዋ ኣብያተ ሲነማ፡ 30 ሚእታዊት ናይ መናብረን ጥራይ ክጥቀማሉን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ዘርእየኦ ዝነበራ ብዝሒ ‘ፊልማታት’ ድማ ብ50 ሚእታዊት ከጉድለኦ ክግደዳ እየን።

ዓማዊልን ሰራሕተኛታትን እዘን ሲነማታት’ውን ክኣትዉ እንከለዉ መጠን ሙቐት ሰብነቶም ክዕቐኑን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክወድዩን ይግደዱ’ዮም።

ትኬት መእተዊ ሲነማታት ‘ብኦንላይን’ እዩ ክሽየጥ፤ ኣብ መንጎ ነብሲ ወከፍ ሰድያ ድማ ናይ ሓደ ሜትሮ ፍልልይ ክህልዎ እዩ።

ቻይና ካብ ሃልኪ ፊልምታት ብዝርከብ ኣታዊታት ካብ ዓለም ኣብ ካልኣይቲ እያ ትስራዕ፡ ብመሰረት ናይ 2019 ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 9.2 ቢልዮን ዶላር ካብ መሸጣ ፊልማታትን ኣብያተ ሲነማታትን ኣታዊ ተረኺቡ።