እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጋንዳዊት ተዋሳኢት ፊልም 'ኲን ኦፍ ካትወ' ኒኪታ ፐርል ኣብ 15 ዓመታ ዓሪፋ
ኣብታ ብዛዕባ መስተንክር ቸዝ ኡጋንዳ እተዘንቱ ናይ ዲስኒ ፊልም 'ኲን ኦፍ ካትወ' ዝተዋስአት ህጻን ኒኪታ ፐርል ከም ዝዓረፈት መራኸቢ ብዙሓን ኡጋንዳ ጸብጺበን።
ኒኪታ ብናይ ሓንጎል ካንሰር- ቱመር ክትሳቐይ ምጽንሓ ተፈሊጡ።
እታ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ተሞርኲሳ ኣብ 2016 ዝተሰርሐት ፊልም፤ ብዛዕባ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይከደት፡ ኣብ ትሽዓተ ዓመታ ቸዝ ክትጻወት ዝጀመረትን ክሳብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክትሳተፍ ዝኸኣለትን ፍዮና ሙተሲ እያ እተዘንትው።
ኣብታ ፊልም፡ ሉፒታ ንዮንግ ከም ኣዲኣ፡ ዴቪድ ኦየሎዎ ከኣ ከም ናይ ቸዝ መምህራ ኮይኖም ይዋስኡ።
ኒኪታ ኣብ 2016 እቲ ሕማም ከም ዘለዋ ምስተፈለጠን፡ ኡጋንዳውያን ሓካይም ዘድልይ መሳርሒታት ከም ዘይብሎም ምስ ተገለጸ፤ ዳይሬክተር እታ ፊልም፡ ሚራ ነይር ሰባት ብምጉስጓስ ንሕክመና ዝኾና ገንዘብ ከም ዝተኣኻኸብን ናብ ህንዲ ብምኻድ ሕክምና ክትገብርን ኣኽኢሉዋ።
ሕክምና ምስ ገበረት ኣብ 2017 ካብቲ ሕማም ነጻ ከም ዝኾነት እኳ እንተተሓበራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ቱመር ተረኺብዋ።