እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰነዳት ፓንዶራ፡ ሚስጢራዊ ሃፍትን ስምምዓትን መራሕቲ ዓለም ዘቃልዑ ሰነዳት ፓንዶራ
ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ልሒኾም ዝወጽኡ ሰነዳት ፋይናንስ፡ መራሕቲ ዓለም፣ ፖለቲከኛታትን ቢልየነራትን ዓለም ብሚስጢር ዘኻዕበቱዎ ሃፍቲ ኣቃሊዑ።
እዚ 'ፓንዶራ ፔፐርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰነድ፡ ገለ 35 ኣብ ስልጣን ዝርከቡን ነባራትን መራሕቲ ከምኡ'ውን 300 ሰብ መዚ መንግስቲ ዝጓሓልዎ ሃፍቲ ኣቃሊዑ።
ንጉስ ዮርዳኖስ ብሕቡእ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ኣመሪካን 70 ሚሊየን ፓውን ዘውጽእ ንብረት ከም ዘኻዕበተ እዚ ሰነድ ይጠቅስ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌየርን በዓልቲ ቤቱን'ውን ኣብ ለንደን ቤት ጽሕፈት ክገዝኡ እንከለው ብኸመይ ካብ ቐረጽ ቴምብር 312 ሽሕ ፓውንድ ከም ዘትረፉ የርኢ።
እቶም መጻምዲ ነቲ ህንጻ ዝውንን ኩባኒያ ዓዲጎምዎ'ዮም።
እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነድ ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሞናኮ ሚስጥራዊ ንበረት ኣለዎ ይብል።
ወሲኹ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ውድድር መረጻ ዝጽበዮ ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ኣንድሬይ ባቢስን ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ክልተ ቪላ ንምዕዳግ ብዛዕባ ዝተጠቐመሉ ኩባኒያ ኢንቨስትመንት ወግዓዊ ኣይገበረን ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ቅድም ኢሉ ሰነዳት ፊንሴን፣ ሰነዳት ፓራዳይዝ፣ ፓናማን ሉክስሊክስን ወጺኦም ብዙሓት ሚስጢራዊ ሰነዳት ሃፋትምን መራሕቲ ዓለምን ኣቃሊዖም'ዮም።
መርመራ እዞም ሰነዳት ብማሕበር ዓለምለኸ ጋዜጠኛታት መርመራ [ኣይሲኣይጄ] ዝተወደበ ኮይኑ ልዕሊ 650 ጋዜጠኛታት ተሳቲፎምሉ።
ቢቢሲ ፓኖራማ ምስ ጋርዲያንን ካልኦት ማዕኸናት ዜናን ተላፊኑ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ኣብ ብሪጣኒያ ደሴታት ቨርጂኒያ፣ ፓናማ፣ ቤሊዝ፣ ቆጵሮስ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት፣ ሲንጋፑርን ስዊዘርላንድን ካብ 14 ኩባኒያታት ፋይናንስ ዝረኸቦም ናብ 12 ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰነዳትን ረኺቡ።
ገሊኦም ብገበናት ብልሽውና፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ዓለምለኸ ምስዋርን ይኽሰሱ።
ይኹን'ምበር ዕላዊ ካብ ዝኾኑ ዓበይቲ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ብኸመይ ፍሉጣትን ሃፋትምን ሰባት ኣብ ብሪጣኒያ ብሕጋዊ ግን ድማ ብሕቡእ መገዲ ንብረት ንምዕዳግ ኩባኒያታት ከም ዘጣየሹ የረድእ።
ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህ ካልኣይ ቢ ኣል-ሑሴንን ግን ዋላ ሓደ ዝፈጸምናዮ ስሕተት የለን ክብሉ ነቲ ጸብጻባት ነጺጎምዎ።
ንጉስ ዓብዱላህ ኣብ ወጻኢ ንብረት ምውናኑ "ዘይተለምደን ዘይቅኑዕን ኣይኮነን" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩሲያ ዲመትሪ ፔስኮቭ "መርትዖ ዘይብሉ" ሓበሬታ ብምባል "ሕጂ እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። ዋላ ሓደ ዝተሓብአ ሃፍቲ ፑቲን ክኣ ኣብ ውሽጢ ኣይርኣናን" ኢሉ።
እቶም ሰነዳት ብድሕሪ እቶም ዕድጊታት 95 ሽሕ ኩባኒያታት ወጻኢ ከም ዘለው'ውን ይገልጹ።
ብመንግስቲ ብሪጣንያ ብተደጋጋሚ መብጽዓ ዝኣተዎ ግን ድማ ዘይተግበሮ ምዝገባ ሰብ ሃፍቲ ወጻኢ ዘስዓቦ ምዃኑ የርኢ።
ኣብታ ሃገር፡ ገለ ዓደግቲ ንብረት ገንዘብ ብምትላል ዕድጊታት ክሓብኡ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ስግኣት ምዝገባ ከም ዝግበር ብተደጋጋሚ ቃል ተኣትዩ ነይሩ።
ኣብ ገዛእ ሃገሮም ይዘምቱ'ዮም ተባሂሉ ዝተኸሰሱ ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊዮቭን ስድራቤቱን ናይዚ ኣብነት እዮም።
እቲ መርመራ፡ ፕረዚደንት ኣሊዬቭን ናይ ቐረባ ኣዝማዱን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብሕቡእ ኣብ ዕድጊት ንብረት ልዕሊ 400 ሚልዮን ፓውንድ ተሳቲፎም ይብል።
እቶም ሰነዳት እቲ ፕረዚደንት ሓደ ካብቶም ዝዓደጎም ንብረታት ብ31 ሚሊየን ፓውንድ ከም ዝሸጠ ኣቃሊዖም። እዚ ንብረት እታ ንግስቲ ኮይኑ ነታ ሃገር ገንዘብ ዘተኣኻኽብን ብግምጃ ቤት ዝመሓደርን'ዩ።
መብዛሕትኦም ልውውጣት ግን ዋላ ሓደ ዘይሕጋዊ ተግባር ከም ዘይተፈጸመ እቶም ሰነዳት የርእዩ።
ጋዜጠኛ ኣይሲኣይጂው ፈርጉስ ሺየል፤ "ዋላ ሓደ ልክዕ ዝተገብረ ነገር የለን። እዞም ኩባኒያታት ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ንክሓብኡ ወይ ግብሪ ክስውሩ ከም ዝሓገዙ ዘርኢ ሓቂ'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ "እዞም ኩባኒያታት ናይ ደገ ኣካውንታት ተጠቒሞም ኣብ ካልኦት ሃገራት ብኣማኢት ሚሊዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ንምዕዳግን ብወጻኢ ዜጋታቶም ቤተሰቦም ክህብትሙ ይጠቕሙዎም ኣለው" ይብል።
ኣይሲኣይጄ እቲ መርመራ "ዓይኒ ዘንቁሕ" ክብል ክገልጾ እንከሎ 'ሰንዳት ፓንዶራ' ዝብል ሽም ሂቡዎ ኣሎ።
ማሊቡ፡ መንበሪ ኣባይቲ ንጉስ ዮርዳኖስ
ሰነዳት ፓንዶራ፡ ንጉስ ዮርዳኖስ ብኸመይ ኣብ ኣመሪካን ኢንግሊዝን ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ከም ዝኣከበ የርእዩ።
ንሱ፡ ብ1999 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ንጉስ ዓብዱላሂ ካልኣይ ቢል ኣል-ሒሴን 15 መንበሪ ኣባይቲ ንምግዛእ ኣብ ብሪጣኒያን ደሴታት ቨርጂንን ካልኦትን ዝርከቡ ኩባኒያታት ወጻኢ ተጠቒሙ'ዩ።
እዚ፡ ኣብ ማሊቡ፣ ካሊፎርኒያን ለንደንን ዝርከቡ ንገምገም ባሕሪ ዝጥምቱ 50 ሚሊየን ፓውንድ ወጻኢ ዝተገብረሎም ንብረታት ዝሓውስ'ዩ።
ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ብዝኽተሎ ምልካዊ ስርዓትን ካብ ቀረባ ዓመታት ተግባራዊ ዝገበሮ ወሰኽ ግብርን ጥንኩር ስጉምታት ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ።
ጠበቓታቱ ግን ኩሎም ብናይ ውልቁ ሃፍቲ ዝተዓደጉ'ዮም ብምባል ይካትዑ። ፍሉጣት ሰባት ኩባኒያታት ወጻኢ ተጠቒሞም ንብረት ዝዕድጉሉ መገዲ ልሙድ ከም ዝኾነን ንውሕስናን ውልቃዊ ድሕነትን ብዝብል ከም ዝኾነን'ውን ገሊጾም።
ካልኦት ኣብ ሰነዳት ፓንዶራ ዝተቓልዑ፥
- ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታን ሽዱሽተ ኣባላት ስድርኡን ብሕቡእ ንሰንሰለት እዞም ኩባኒያታት ተጠቒሞም። ሽሞም ምስ 11 ትካላት ዝለዓል ኮይኑ እቲ ሓደ ጥራሕ 30 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝኾነ ይግመት
- ኣባላት ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ካን፣ ሚኒስትራት ካቢኔን ኣባላት ስድርኦምን ሓዊሱ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ዶላር ዝሕዙ ኩባኒያታት ብሕቡእ ሒዞም ኣለው
- ፕረዚደንት ቆጵሮስ ኒኮስ ኣናስታስዴስ ዝተጣየሸ ኩባኒያ ሕጊ ዋንነት ብዙሓት ኩባኒያታት ዘለዎ ኩባኒያ ንምሕባእ ናይ ሓሶት ሰነዳት ከም ዘቕረበ ይጠቅስ። ቅድም ኢሉ ፖለቲከኛታት ሩስያ ዝነበረ ውልቀሰብ ብምትላል ተኸሲሱ ኣሎ።
- ፕረዚደንት ዩክሬይን ቮሎዲይሚር ዘለስንኪ መረጻ 2019 ቅድሚ ምዕዋቱ ሚስጥራዊ ንዝኾነ ኩባኒያ ወጻኢ ብጽሒቱ ኣመሓላሊፉ
ቀዳማይ ሚኒስተር ቼክ ሪፐብሊክ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ክሲ ነዚ ኣብዚ ሰሙን ዝተወደበ መረጻ ንምጽላው ዝዓለመ'ዩ ብምባል "ዋላ ሓደ ዘይሕጋዊ ወይ ጌጋ ነገር ኣይፈጸምኩን" ክብል ተቓዊሙ።
ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ብወገኑ እቲ መርመራ "ንሕና ኣብ ኬንያን ዓለምን እንደልዮ ፋይናንሳዊ ግልጽነትን ተኣማንነትን ንምዕባይ ዓብዪ ግደ ኣለዎ" ብምባል "ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለኒ ዑደት ወዲአ ምስ ተመለስኩ ግቡእ መልሲ ክህበሉ'የ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ብወገኑ መርመራ ከካይድ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ለንደን 33 ሚሊየን ዶላር ዋግኡ ንብረት ዝውንን ወዲ 11 ዓመት ቆልዓ
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌርን በዓልቲ ቤቱ ቼሪ ብሌየርን ሃብቶም ብዛዕባ ምሕብኦም ኣብ ውሽጢ ሰነዳት ፓንዶራ ዝተገልጸ ነገር የለን።
እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ግን 6.45 ሚልዮን ፓውንድ ዘውጽእ ንብረት ክዕድጉ እንከለው ቐረጽ ቴምብር ከም ዘይኸፈሉ ይጠቅስ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ብሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ማእኸላይ ለንደን ሜሪሌቦን ዝርከብ ህንጻ ክዕድጉ እንከለው ነቲ ዋና ዝነበረ ኩባኒያ ገዚኦምዎ።
እዚ ህንጻ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ ናይ ሕጊ ምምኻር እተሳልጠሉ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው መንግስታትን ንዘጣየሸቶ ፋውንዴሽን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ይህብ።
ኣብ ኢንግሊዝ ብተመሳሳሊ መገዲ ንብረት ምርካብ ሕጋዊ ኮይኑ ቐረጽ ቴምብር ዘይክትኸፍል ትኽእል ኢኻ።
እንተኾነ ቶኒ ቤሌየር ቅድም ኢሉ ክፍተታት ግብሪ እናልዓለ ክነቅፍ ጸኒሑ'ዩ።
በዓልቲ ቤቱ ግን እቲ ህንጻ ካብቲ ኩባኒያ ከም ዝዓገደጉዎን ብመሰረት ሕግታት ብሪጣኒያ ከም ዝኾነን ብምግላጽ ንሓዋሩ ክሸጡዎ እንተኾይኖም ግብሪ ክኸፍሉ ምዃኖም ተዛሪባ።
ወነንቲ እቲ ንብረት ምስ ባሕሬን ፖለቲካዊ ርክብ ዝነበሮም ስድራቤት ኮይኖም እቲ ንብረት ንምሻጥ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምስ መን ይደራደሩ ከም ዘለው ከም ዘይፈልጡ ገሊጾም።
ካልኦት ሰነዳት'ውን ቤተሰብ ኣመሓዳሪ ኣዘርባጃን ነቶም ኩባኒያታት ተጠቒሞም ብሕቡእ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንብረት ዝረኸብሉ መገዲ የርእዩ።
እቶም ሰነዳት ስድራቤት ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን ብሕቡእ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንብረታት ከም ዝዓደጉ ይጠቕሱ።
እዞም ንነዊሕ ዓመታት ብብልሽውና ዝኽሰሱ ስድራቤታት ኣብ ኤውሮጳ 17 ንብረታት ክዕድጉ እንከለው፡ ኣብ ለንደን ንወዲ 11 ዓመት ወዲ እቲ ፕሬዝደንት ሄይደር ኣሊዬቭ ዝተዓደገ 33 ሚሊየን ፓውንድ ዘውጽእ ንብረት ኣሎ።
ኣብ ሜይፈር ውሽጢ ዘሎ ህንጻ ብ2009 መሓዛ ቤተሰብ ፕሬዝደንት ኢልሃም ብዝኾነ ኩባኒያ ተዓዲጉ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ሽም ሄይደር ተዛዊሩ።
ፕረዚደንት ኣዘርባጃንን ስድርኡን ግን መልሲ ንምሃብ ፍቓደተኛታት ኣይኮኑን።
መንግስቲ ብሪጣንያ ብሓያል ሕግታትን ኣፈጻጽማን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ስጉምቲ ክወስድ'የ ኢሉ።