ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ፡ መንግስቲ ማልታ ብሞት እታ ጋዜጠኛ ተሓታቲ'ዩ ተባሂሉ

ኣብ ጉዳይ ቕትለት ውርይቲ ጋዜጠኛ ካሩና ጋሊዚያ መርመራ ከካይድ ዝጸንሐ ጉጅለ መርመራ መንግስቲ ማልታ ተሓታቲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ መርመራ፡ መንግስቲ ንህይወት እታ ጋዜጠኛ ስግኣት ዝኾኑ ፈልዩ ኣብ ምግንዛብን ንዕኦም ንምውጋድን ዘድሊ ስጉምቲ ክወስድ ኣይከኣለን ኢሉ።

ንብልሹው ምሕደራን ስስዐን ሰበስልጣን መንግስቲ ማልታ ብምቅላዕ፡ ንፖለቲካዊ ኵነታት'ታ ሃገር ጸልያቶ ዝጸንሐት ካሩና ጋሊዚያ ውርይቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ 2017 ኣብ መኪናኣ ብዝተጻወደ ቦምብ ከም ዝተቐትለት ይፍለጥ።

ኣብ ዙርያ ቕትለት እዛ ጋዜጠኛ ዝካየድ ዝነበረ መርመራ ንቐዳማይ ሚኒስትር ጆሴፍ ሙስካት ናይ ቐረባ ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ጉዳይ ስለ ዝተጠርጠሩ ብ2019 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ።

ይኹን'ምበር ንሱ ንዝቐርብሉ ክስታት ብልሽውና ኣይተቐበሎምን።

እዛ "ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዊኪሊክስ" ተባሂላ እትፍለጥ ጋዜጠኛ ጋሊዚያ ኣብ ማልታን ካልኦት ሃገራትን ዘለው መርበባት ብልሽውና ብምቅላዕ እያ እትፍለጥ።

ጓል 53 ዓመት እናሃለወ ኣብ ርእሲኣ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞተት ጋሊዚያ፡ ን30 ዓመታት ጋዜጠኛ ኮይና ሰሪሓ።

ኣብቲ ናይ ውልቃ ፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዘይስከፍታ ፖለቲከኛታትን ሰበ ስልጣንን ማልታ ብብልሽወና ትኸሶም ነይራ።

ሓያል ነቓፊት መንግስቲ ምዃና'ውን ትፍለጥ።

ኣብ 2017፡ ንሓያሎ ሃገራት ዘናወጸ 'ፓናማ ፐይፐር' ኣቢላ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ በዓልቲ-ቤት ናይ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስተር ጸዓትን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን'ታ ሃገር ምስ ኣዘርበጃን ብምሽራኽ፡ ኣብ ፓናማ ብሕቡእ ዘቐመጡዎ ሚልዮናት ዶላራት ሃብቲ ከም ዘለዎም ኣቃሊዓ ነይራ።

ስድራ እታ ጋዜጠኛ ጉዳይ ቕትለት ጋሊዚያ ብዘይሻራዊ መጻረዪ ገበን ክካየድ ብምግባር ፍትሒ ክጠልቡ ጸኒሖም።

ሙሳካት ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውራዱ ፍቓድ ክህቦም ስለ ዝኽኣለ ድማ ክጻረ ጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ እቲ ገበን ዘጻሪ ዝነበረ ኣካል ጋዜጠኛታት፣ መርመርትን ፖለቲከኛታት ዝርከቡዎም ብዙሓት መሰኻኽሪ ዓይኒ ኣዘራሪቡ።

በዚ መሰረት ኣብ ዘዳለዎ በዓል 437 ገጽ ጸብጻብ፡ መንግስቲ "ልዑል ደረጃ ዘለዎም ሰባት ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ዝኾኑሉ ኩነታት ክፍጠር ገይሩ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሰብ ሃፍትን "ግቡእ ዘይኮነ ምቅርራብ" ኣሎ ብምባል ኣብ ማልታ ጋዜጠኛታት ውሕስነት ዝረኽብሉ ሃዋህው ንምፍጣር ሕግታት ከመሓይሽ ይግባእ ኢሉ።

ክሳብ ሕጂ ብቕትለት እታ ጋዜጠኛ ዝተጠርጠሩ ውሑዳት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ሓደ ካብቶም ሰለስተ ጥርጡራት ቕትለት ጋዜጠኛ ጋሊዛ ገበነኛ ተባሂሉ ን15 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱዎ እዩ።

እቶም ካልኦት ገና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም።

ካልእ ራብዓይ ጥርጡር በዓል ሃብቲ ማልታ ዮርገን ፌኔች እውን ተኸሳሲ ኮይኑ፡ እቲ ዝቐርበሉ ክሲ ይነጽጎ። ንሱ፡ ኣብ ሕዳር 2019 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እታ ጋዜጠኛ ምስ ተቐትለት ወዳ ፖል፡ እታ ሃገር "ናይ ማፊያ መንግስቲ'ዩ" ዘለዋ ብምባል ኣዲኡ "ኣብ ሞንጎ ምኽባር ልዕልነት ሕግን ንዕኡ ክጥሕሱ ዝደልዩ ሰባትን ጠጠው ስለ ዝበለት" እያ ተቐቲላ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ ነይሩ።

ትማሊ ሓሙስ ስድራ ቤታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ውጽኢት እዚ መርመራ ኣብ ማልታ ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ኣበርክቶ ክገብር ተስፋ ኣለና" ኢሎም።