እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅትለት ካሩዋና ጋሊዚያ፡ ቃልሲ ፍትሒ ንዝተቐተለት ኣደይ
ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ሓንቲ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ቅትለት ኣደይ ምስ ዝምርምር ሰብ ኾፍ ክብል ኣለኒ።
እዚ መርማሪ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ንኣደይ ክኣስር ናብ ገዛ እንትመጽእ'ዩ ስድራና ንፈለማ እዋን ተላሊዩዎ።
ኣደይ፡ ብዛዕባ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ንምርጫ ዝቀረበን ሓደ ካብ ደገፍቱን፡ ጸብጻብ ፖሊስ ዘካተተ ባልታዊ ጽሑፍ ኣሕቲማ።
ኣብ ከውታ ለይቲ ናይ ማእሰርቲ መአዘዚ ደብዳበ ዝሓዘ ወረቐት ሒዙ ብቐጥታ ናብ ገዛና ዝተልኣኸ መርማሪ፡ ሕጋዊ ዘይኮነ ኣጸሓሕፋ ብዝብል ገበን ክሲ ከሲሱዋ።
ድሕሪ እዚ፡ ኣነ ኣብ ካልእ ዓውዲ ብስራሕ ተጸሚደ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ድማ፡ ሰባት ናይ ኣቦይ ካናቴራ ተኸዲና ካብ ቤት ማእሰርቲ እናወጽአት ዘርኢ ምስሊ ይልእኹለይ።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተኸሰተት ኣደይ፡ ንርእሳ ብምቕያዕ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝጽሓፈቶ ባልታዊ ጽሑፍ ስዒቡ ዝበጽሓ ግህሰት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሒፋ።
"መርመርቲ ገበን ቅትለት ክወስዱኻ ምሸት ናብ ገዛኻ እንትመጽኡ፡ ኣብ ሕልናኻ ዝተርፍ ናይ መወዳእታ ትዝታ፡ ጸጉርኻ ምምሻጥ፣ ኣብ ገጽካ ዝተረፈ መመላኽዒ ምሕጻብ፣ እትኽደኖ ክዳን ምምራጽ'ዩ" ክትብል ጽሒፋ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ንኣደይ ዝኣሰረ መርመሪ፡ ተመሊሱ ጉዳይ ቅትለት ወላዲተይ ይምርምር ኣሎ።
ጓል 53 ዓመት ኣደይ ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ ኣብ ዝተቐተለትሉ መዓልቲ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ሒሳብ ባንካ ክተኽፍት ትኸይድ ነይራ። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ን30 ዓመት ሰሪሓ'ያ።
ብርሑቕ ዝቆጻጸሩዎ ፍርቂ ኪሎ ተፈንጃሪ ድማ፡ ኣብ መቐመጢ መኪንኣ ተደኲኑ ነይሩ።
ደገፍቲ መንግስቲ ቅትለት ኣደይ ዘጸንበሉዎ እንትኾን፡ እቲ ጽንብሎም ቱርኪ-ኣሜሪካዊ ኤዲተር ጋዜጣ ሃራንት ዲንክ እንትቕተል ዝነበረ ተመሳሳሊ ስምዒት ኣዘኻኺሩኒ።
ካልኦት ቅትለታ ዘወሃሃደ ኣነ ምኻነይ ወይ ባዕላ'ውን ባህ እናበላ ህይወታ ከም ዘሕለፈት ዝዛረቡ ነይሮም።
ቅትለት ጋዜጠኛ ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ
- ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ ናይ ምርመራ ጋዜጠኛ ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ ብምፍንጃር መኪና ተቐቲላ
- ቀዳማይ ሚኒስትር ማልታ ጆሴፍ ሙስካት 'ኣረሜናዊ' ክብል ነቲ ቕትለት ኮኒኑዎ። ሓዘን ዝበጽሖ ስድራ እታ ጋዜጠኛ ግን፡ መራሕቲ ማልታ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከይርከቡ ኸልኪሎም
- ታሕሳስ 2017፡ ሰለስተ ሰባት ተኣሲሮም፡ ጠበቓታት እቲ ተግባር ንክፍጽሙ ዝተቖጸሩ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ኣብ ዝብል ምጽራይ ገይሮም
- ሓምለ 2018፡ መንግስቲ ማልታ ዳያኑ ዝመርሑዎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን በዓልቲ ቤቱን ግዕዝይና ፈጺሞም ዝብል ጽሑፍ ጋዜጠኛ ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ ዘጻሪ ጉጅለ ኣቚሙ
- ነሓሰ 2018፡ ስድራ ጋዜጠኛ ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ፡ መንግስቲ ማልታ ንሞታ ተኸላኺሉ'ዶ ዝብል ህዝባዊ ሕቶ ክካየድ ጠሊቦም
ቅትለት እዛ ጋዜጠኛ ስለ ምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ገና ካብ ሓዘንና ኣብ ምጽንናዕ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ "ዋሕዚ ናጻ ሓሳባትን ሓቅታትን፡ ናጻን ፍትሓውን ማሕበረሰብ ይፈጥር" ክብል ሓወይ ንዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ሃብታምን ጥንኩርን ማለት'ውን ክነብሩ ዝግብኦም ሕብረተሰብ ይፈጥር"።
ድሕሪ ቅትለት ኣዴና፡ ዝነበረና ብሕታዊ መጸናንዒ፡ ካብ ዝተፈላለየ ህዝቢ ዝመጽእ ዝነበረ ደገፍ፣ ጣዕሳን ሓዘንን ጥራሕ'ዩ።
ሓደ መሓዛና፡ "ግዱሳት ሰባት ኣብ ኩሉ ኣለው፡ ድለዮም" ዝበለኒ ኩል ግዘ ይገርመኒ።
ናጻን ግልጽን ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ማሕበረሰብ ክትነብር፣ ሕጊ ንኩሉ ማዕረ ኾይኑ ሰብኣዊ መሰላት ተኸቢሮም ክትርኢ ምድላይ፡ ዓለማዊ ባህጊ'ዩ። እንተኾነ ግን እዚ ልክዕ ከምቶም ሃፊፎም ዝተርፉ ባህግታትን ድልየታትን'ዩ።
ውሑዳት ሕማቓት ሰባት ኣብ ሞንጎና ኮይኖም ህይወትና ክምንዝዑና ከም ዝኽእሉ ዘንጊዑ እንትርድኣና ድማ ዝኸፍአ ይገብሮ።
ኣነ፣ ሓወይን ኣቦይን ድሕሪ ቅትለት ኣዴና ዝወሰድናዮ ዕዮ ሰፊሕ'ዩ፤ ፍትሒ ንቕትለትን ምርመራን ወላዲትና፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ዳግማይ ከይፍጸም ምርግጋጽ ዝብሉ ብቐንዱ ዝጥቀሱ'ዮም።
ሕጂ፡ ንዝኾነ ነገር ካልእ ግዜ የብልናን።
ሓሓሊፉ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ንዘለዎም ሸለልትነትን ሻራውነትን፡ ትዕግስቲ ከም ዘይብልና ምስ ስድራይ ንዝራረብ ኢና። ጭካንኦም ስንፍንኦምን ዘይምትንካፍ'ውን ከቢድ ኮይኑ ንረኽቦ።
ብምፍንጃር መኪና ህይወቱ ክሓልፍ ዝተገበረ ቱርካዊ ጋዜጠኛ ምርመራ ኡጉር ሙምቹ ደቁ ከም ዝነገሩኒ፡ ድሕሪ ሞት ኣቡኦም ፖሊስ ዘካየዶ ምርመራ ውጽኢት ከየምጽአ ምስ ተረፈ "ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን፡ ኣብ ቅድሜና ሓጹር መንደቕ'ዩ ዘሎ" ኢሉዎም'ዩ።
ኣዲኦም ነዚ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "ከምኡ እንተኾይኑ፡ ክሳብ እቲ ሙሉእ መንደቕ ሓጹር እተፍርሱዎ፡ ሓደ ሓጹር ኣፍሪስኩም ናብቲ ካልእ ቐጽሉ" ዝብል'ዩ ነይሩ።
ኣዴና ካብ እትመውት ናብዚ እናሰራሕናዮ ዝመጻእና ነገር እዚ'ዩ።
ናይ ባህሊ ለውጢ ክመጽን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ክኽበርን ንጉስጉስ ኣለና። ዓለም ሰብኣዊ መሰላት እተኽብረሉ መገዲ'ውን ንምህር ኣለና።
ኣብ 2017 ብካራ ዝተወግአ የመናዊ ራሺድ "መሰረታዊ ናይ ርእሲ ናጽነት እንተዘይረኪብካ፡ ካልእ ዓይነት ናጽነት እንታይ ይረብሕ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
ልክዕ ኣደይ ዝበጽሓ ቅትለት'ውን፡ ኣብ ሃገርና ንከምዚ ዝኣመሰለ ናጽነት ክብሪ ከም ዘየሎ'ዩ ኣርኢዩኒ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜ ግዳያት ዝኾንና ኣባላት ስድራ፣ ኣፍቃሪ/ት፣ መሓዙት ጥራሕ ኣይኮነንና ብዛዕባ ናጽነት ክንቃለስ ንኽእል።
እዚ ዓብዪ ሓላፍነት፡ ኣብ እንግዳዕና'ኳ እንተኾነ ንውልቅና እነዐውቶ ግን ኣይኮነን። ግዱሳት ሰባት ክሕወሱ ንደሊ ኢና።
ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ
- በብዓመቱ 3ተ ግንቦት ይክበር
- 'ጋዜጠኝነትን ምርጫን፡ ኣብ እዋን ዝተዛብዐ ሓበሬታ'፡ ቴማ እዚ ዓመት'ዩ
- ሞያዊ ግቡኦም እናፈጽሙ ዝሞቱ ጋዜጠኛታት ምዝካርን ብዛዕባ ናጽነት ፕሬስ ዘሎ ኣድማስ ምዕባይን ድማ ዕላምኡ
- ዝሓለፈ ዓመት፡ 95 ጋዜጠኛታትን ክኢላታት ሚዲያን ብቅትለት፣ መጥቃዕቲ ቦንባ መይቶም
ብዙሓት ግዳያት ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ይፈልጥ'የ። ኣብ መላእ ዓለም ኣፍቅሮተ ሰብ ዝነበሮ ጋዜጠኛ ስዑዲ ጀማል ካሾግጂ ዘክሩዎ።
አቲ ጸሓፊ ዝጸልኦ ዝነበረ ግን፡ እቲ ክመውት ዝገበረ ሓደ ሰብ'ዩ። ናይ ኣደይ ቅትለት ሓዊስካ፡ ኩሎም ፍጻሜታት ሰባት ተሓተትቲ ክኸኑ ኣብ ምግባር ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ዳርጋ የለን።
ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ሓጹር ብምፍራስ ጀሚርናዮ ኣለና፤ ማልታ ሞት ኣደይ ክትከላኸል ዘይከኣለትሉ ነገር ንምፍላጥ ህዝባዊ ሕቶ ክካየድ ንሓትት ኣለና።
ድሕሪኡ ናብቲ ካልእ መንደቕ ክንሰግር ኢና።
ኩል ግዜ፡ ኣደይ ንስለ ሃገር ነብሳ ኣሕሊፋ እንተዘይትህብ ነይራሞ፡ ብህይወት ምሳና ኮይና ምርኣኹዋ ኢለ ይምነ።
እንተኾነ፡ ከምቲ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማእሰርቱ "ዘደንግጽ" ተባሂሉ ዝጥቀሱ ጋዜጠኛ ካህዲጃ ኢዝማሎቫን ከም ዝበሎ፡ "ሰባት ኣዚና ንፈትዎም እንተኾይንና፡ ክኾኑዎ ዝደልዩ ነገር ኢና ንደሊ። ዳፍኒ ከምዚ እያ ነይራ-ጀግናን ተቓላሲትን"።
ኣደይ ዘይትፈልጦ ሓደ ነገር እንተሃለወ፡ ናታ ሞት ኣብ ማልታን ካልኦትን ኣሽሓት ኣተባቢዑ ሕራነ ምፍጣሩ'ዩ።
ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሳት ድማ፡ በቲ በለ በቲ ካልኦት ጋዜጠኛታት ናይ ኣደይ ተመሳሳሊ ዕጫ ከይበጽሖም ከም ዝከላኸሉ'የ ዝሓስብ።
እዚ ጽሑፍ፡ ናይ ማቲው ካሩዋና ጋሊዚያ፡ ጋዜጠኛ ምርመራን ወዳ ንመዋቲት ጋዜጠኛ ዳፍኒካሩዋና ጋሊዚያ'ዩ።