እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፌስቡክ ምውታት ንምኽባርን ምዝካርን ዘኽእል ሓድሽ ምህዞ ኣታኣታትዩ
ትካል ፌስቡክ ነቲ ተራን ዝርብሽን ካብ ተጠቀምቲ ዝቐርብ ምልክታ ናይ ዝሞቱ የዕሩኽን መቕርባትን ንምዕጋት ከም ሰብ ኮይኑ ዝሰርሕ ኣእምሮኣዊ ክእልት ዘለዎ ማሽን [artificial intelligence] ክጥቀም ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እዚ ማሽን ናይ ሰባት ድምጽን ምስልን ብቐሊሉ ከለሊ ዝኽእል ሓድሽ ምህዞ ኢዩ።
ኣስታት 30 ሚልዮን ዝኾኑ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ነብሲ ወከፍ ወርሒ ናይ መርድእን፡ ታሪኽ ህይወትን መቕርቦምን የዕሩኾምን ኣብ ገጻቶም ክጥቅዑ ጸኒሖም። ሕጂ ግና እቲ ኩባንያ፡ ዘተኣታትዎ ዘሎ ሓድሽ ምህዞ፡ ነቶም ገለ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ንዝሞቱ ሰባት ኣብ ገለ ናይ ሓጎስ ኣጋጣሚታት ምዕዳምን ናይ ዕለተ ልደቶም ምኽባርን ንገለ ኣዝማድ ቁስሎም ስለዝጎድእ ብሕርቃን ኣንጻር ፌስቡክ ተቓውምኦም ኣስሚዖም። ነዚ ተቓውሞ ንምህዳእ ኢዩ ድማ ፌስቡክ ፍሉይ ናይ ዝሞቱ ሰባት ታሪኽ ህይወትን ዝኽርታቶም ዝቐርበሉ ገጽ ዝዳላወ።
እቲ ኩባንያ ከተኣታትዎ ዝደሊ ዘሎ ሓድሽ ምህዞ ነቲ ገለ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ንዝሞቱ ሰባት ኣብ ገለ ናይ ሓጎስ ኣጋጣሚታት ከም መርዓን ካልእን ምዕዳምን ኣብ ዕለተ ልደቶም ድማ ናይ ጽቡቕ ምንዮት መግለጺ ምጥቃዕን ዘስዕቦ ሕማቕ ተዘክሮታት ደው ከብሎ ተስፋ ይገብር።
ናይ ዝሞቱ ሰባት ታሪኽ ህይወትን ዝኽርን መቓን ታሪኾምን ኣብ ፍሉይ ገጽ ክቐርብ ኢዩ።
''ትካል ፌስቡክ ሕጂ`ውን ናይቶም ዝሞቱ መቕርብን የዕሩኽን መንፈስን ታሪኾምን እንዝክረሉን እነኽብረሉን እነንብረሉን መድረኽ ክህልዎ ኢዩ'' ትብል ኢላ ሸረል ሳንድበርግ፡ ዋና ኣካያዲት ንጥፈታት ፌስቡክ።
ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ እቲ ትካል ምስቶም ዝሞቱ መቕርቦምን የዕሩኽቶምን ንኽራኸቡ ብምቱኽታኹ ሕርቃኖምን ተቓውምኦምን ከስምዑ ጸኒሖም።
ካብ 2009 ጀሚሩ፡ ፌስቡክ ተጠቀምቱ ናይቶም ዝሞቱ መቕርቦምን የዕሩኾምን ታሪኽ ህይወቶም ንምዝካር ብምፍቃዱ ኣብ ወርሒ ኣስታት 30 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ገጻቶም መልእኽቲ ይጥቅዑ ነይሮም።
ሓንሳብ፡ እቲ ሰብ ምስ ሞተ ታሪኽ ህይወቱን ዝኽርታቱን እንተድእ ኣብቲ ገጽ ቀሪቡ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ናይቲ ሰብ ገጽ ዝኾነ ምልክታ ክጥቃዕ ኣይፍቀድን። ነዚ ደው ንምባል ኢዩ ድማ እቲ ትካል ከም ሰብ ኮይኑ ክሰርሕ ዝኽእል ሓድሽ ምህዞ ዘተኣታቱ ዘሎ።
ብዝኾነ፡ ፌስቡክ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ታሪኽ ህይወት ንምዝካርን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ንምስዳድን ፍሉይ ገጽ ክህልዎ ኢዩ። እዚ ገጽ ናይቲ ነብስሄር መቓን ታሪኽ ከምዘለዎ ዝሕዝ ክኸውን ኢዩ።
ካልእ ፌስቡክ ዘተኣታትዎ ዘሎ ገጽ ድማ ናይ ``ሓድጊ`` ወይ ድማ ናይ እሙናት ወረስቲ ዝርዝር ዝሕዝ ገጽ ክህልዎ ኢዩ። እቶም ሰባት ምስ ዝሞቱ ንዕኦም ናይ ዝትክእዎም ኣስማት ዝሕዝ ገጽ ክኸውን ኢዩ።
ሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ሰብ ናይቶም ወረስቱ ኣስማት ከቕርብ ኣይክእልን ኢዩ። ወለድን ሞግዚታትን ናይቶም ዝሞቱ ደቆም ናይ ወረስቶም ኣስማት ንምፍላጥ ንፌስቡክ ክውከሱ ኣለዎም።
ገለ ሰባት ነቲ ፌስቡክ ኣተኣታትይዎ ዘሎ መስርሕ ብዘይግቡእ ከም መላገጺ ክጥቀምሉን፡ ንገለ ተጠቀምቲ ጌና ብህይወት ከለው ከም ዝሞቱ ብምምሳል ንፌስቡክ ብምሕባር ናይቶም ሰባት ገጽ ከም ዝዕጾ ብምግባሮምን ኢዩ ፌስቡክስ ነዚ ምትዕርራያት ዝገበረ።