እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅትለት ካሾጊ፡ ንጉስ ምሕረት ከምዘይገብር ቃል ኣትዩ
ንጉስ ስዑዲ፡ ብቕትለት ጸሓፊን ጋዜጠኛን ጀማል ካሾጊ ተሓተትቲ ዝኾኑ 'ገበነኛታት' ከምዝቐጽዕ ቃል ኣትዩ።
መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፎሮም ንግዲ ከምዝተዛረቦ፡ "እቲ ገበን ንኹሎም ስዑዳውያን መሪር'ዩ፡ እንተኾነ፡ በዚ ምስ ቱርኪ ዝኾነ ዓይነት ውጥጥ ክህሉ ኣይፈቅድን" ኢሉ።
ካሾጊ፡ ንዑደት ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝነበረሉ ብ2 ጥቅምቲ እንትቕተል፡ ስዑዲ ብኣማውታ እቲ ጸሓፊ ኣይኣመነትን ጸኒሓ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶሃን ግና፡ እቲ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ንመንግስቲ ዝነቅፍ ብምንባሩ፡ ብሓለፍቲ ስራሕ ስለላ ስዑድን ካልኦትን፡ ግዳይ ትሉም "ፖለቲካዊ ቕትለት" ኮይኑ'ዩ ኢሎም።
ስዑዲ፡ ካሾጊ ብምኽሪ ተቐቲሉ'ዩ ኢላ ካብ እትኣምን ናብዚ፡ ንጉስ እታ ሃገር ወግዓዊ መግለጺ እንትህብ እዚ ንፈለማ እዋን'ዩ።
ንሱ፡ "ኽተረጋግጾ ዘይትኽእል ከቢድ ገበን" ድሕሪ ብምባል፡ "ብድሕሪ እዚ ገበን ዘለው ኩሎም ተሓተትቲ ክኾኑ'ዮም፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ፍትሒ ከውጽኦም'ዩ" ክብል ቃል ኣትዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ "ብዙሓት፡ እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ኣብ ሞንጎ ስዑዲ ዓረብን ቱርክን ወጥሪ ንምፍጣር ይጽዕሩ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግና ኣይኽእሉን፤ ወጥሪ ዝበሃል ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ።
እንታይ ኣሎ?
እቲ ቑልፊ ጉዳይ፡ ሬሳ እዚ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ኣበይ ኣሎ ዝብል ጉዳይ'ኳ እንተኾነ፡ ዋላ ሓደ ምልክት ግን ኣይተረኸበን።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ፡ ጽዑቕ ምጽራይ ይካየድ ነይሩ ዝብሉ ተገራጨውቲ ጸብጻባት እንትህልው፡ ኣብ ድሕሪ እቲ ህንጻ ክኸውን ከምዝኽእል ግና ይግለጽ።
ቱርኪ ግና፡ እኹል መረዳእታ ኣለኒ'ያ ትብል።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብትሪ ነቒፉ'ዩ።
ትራምፕ፡ ምስ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ "እቲ ንጉስ'ዩ ነገራት ዝመርሕ ዘሎ፡ ስለዝኾነ ተሓታቲ ክኸውን ዝኽእል ሰብ እንተሎ ንሱ'ዩ" ኢሉ'ዩ።
ኣሜሪካ፡ ብምኽንያት ሞት ካሾጊ፡ ቪዛ ናይቶም ተሓተትቲ'ዮም ዝበሃሉ ሰባት ከምእትስርዝ ገሊጻ'ያ።
ትማሊ ድማ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪጣኒያ፡ ኣብ ጎዳይ ቕትለት ካሾጊ ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ፡ ናብ ብሪጣኒያ ከይኣቱ ክኽልከል'ዩ ኢላ።