እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ቅትለት ካሾጊ ንምጉልባብ `ዝተገብረ ፈተነ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝኸፍአ` ኢሉዎ
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ስዑድ ዓረብ ንቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "እቲ ዝኸፍአ ነቲ ጉዳይ ንምጉልባብ ዝተዋህበ ምላሽ" ኢዩ ኢሉዎ።
ብምቕጻል፡ ዝኾነ ነቲ ቅትለት ዝወደበ ሰብ "ኣብ ዓቢ ሽግር ክእቱ ኢዩ" ድማ ኢሉ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ድማ ኣሜሪካ "በቲ ቅትለት ተሓታቲ ዝኾነ ሰብ ክትቀጽዖ ኢያ" ድሕሪ ምባል ናይቶም 21 ጥርጡራት ቪዛ ድማ ክትስርዞ ምዃና ገሊጹ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ`ታ ቀንዲ መሻርኽታ ዝኾነት ስዑድ ዓረብ ዘለዋ መርገጺ ክተሐይሎ ጸቕጢ ክበጽሓ ጸኒሑ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "በመሰረቱ እቲ ተበግሶ ኣዝዩ ሕማቕ፡ ኣተገባብርኡ`ውን ከምኡ ሕማቕ ኢዩ። ኩነታት ኣማውታ እቲ ጋዜጠኛ ንምጉልባቡ ዝተገብረ ፈተነ ድማ፡ ኣብ ታሪኽን እቲ ዝኸፍእ ኢዩ ነይሩ" ክብል ገሊጹዎ።
ንግስነት ስዑድ ዓረብ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ካሾጊ ተጋራጫዊ መግለጺታት ኢዮም ክህቡ ጸኒሖም።
ንሰሙናት ካሾጊ ኣይተቐትለን ክብሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ወዲ 59 ዓመት ጋዜጠኛ ጅማል ካሾጊ ብፋሉላዊ ስርሒት ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ናይ ስዑዲ ቆንስል ከምዝተቐትለ ገሊጾም።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ እንታይ ኢሉ?
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናት ስዑድያ ዝሃቦ ነቐፌታ ኣዝዩ ሓያል እኳ እንተነበረ፡ ከም ሃገር ግና ኣገዳሲት መሓዛ ኣሜሪካ ከምዝኾነት ገሊጹ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ትማሊ ምስ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝግበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ናይ ገለ ላዕለዎት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ክህሉ ተኽእሎታት ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ንጉስ ሳልማን ግና ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣይነበሮን ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ።
ብዛዕባ ናይ ካሾጊ ቅትለት ነቲ ወራስ ዓራት ልዑል ሙሓመድ ቢን-ሳልማን ከምዝሓተቶን፡ ብዛዕባ`ቲ ስርሒት ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ገሊጹሉ።
ነቶም ኣብቲ ቅትለት ኢድ ኣይነበረናን ዝብሉ ኣባላት`ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ትኣምኖም'ዶ? ንዝብል ሕቶ፡ ነዊሕ ድሕሪ ምሕሳብ ``ክኣምኖም እፍትን`` ኢሉ።
አኣባላት ጸጥታ ኣሜሪካን ዳይሬክተር ሲኣይኤይ ጂና ሃስፐል ናብ ስዑድ ዓረብን ቱርክን ብምኻድ ሓበሬታ ሒዞም ይምለሱ ከምዘለው`ውን ገሊጹ።
ኣሜሪካ እንታይ ስጉምቲ ኢያ ክትወስድ?
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ፖምፔዮ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሱን ፕሬዚደንት ትራምፕን በቲ ኩነታት ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ገሊጹ።
ብምቕጻል፡ ቪዛ ናይቶም ጥርጡራት ድሕሪ ምስራዝ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ቅትለተ ኢድ ዝነበሮም ሰባት ድማ ማዕቀብ ናይ ምእዋጅ ተኽእሎታት ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስቴር፡ ንሲኤኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣስማት ናይቶም ቪዝኦም ዝስረዝ ሰባት ብሚስጢር ከምዝትሓዝ ገሊጹ።
ትማሊ፡ ፕሬዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶሃን፡ ኣማውታ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣቐዲሙ ዝተኣለመ ከምዝነበረ ንፓርላማ ሃገሩ ተዛሪቡ። እቶም ነቲ ቅትለተ ዝፈጸሙ ሰባት ድማ ኣብ ቱርኪ ክፍረዱ ሓቲቱ ኣሎ።
መርገጺ ስዑዲ ዓረብ?
ትማሊ፡ ንጉስ ሳልማን ኣኼባ ካቢነ ድሕሪ ምክያድ፡ እቶም ኣብቲ ቅትለተ ኢድ ዝነበሮም ሰባት ተሓተቲ ከምዝኾኑ ገሊጹ።
ንጉስ ሳልማንን ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ሪያድ ምስ ስድራቤት ካሾጊ፡ ከምኡ'ውን ምስ ወዲ ካሾጊ ሳልሕ ከምዝተራኸቡ መንግስታዊ ናይ ዜና ማዕከናት ገሊጸን።
ወዲ ካሾጊ፡ ሳልሕ ካብ ዓሚ ጀሚሩ ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ዝኾነ ሃገር ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዝጸንሐ ኣሶሼየትድ ፕሬስ ገሊጻ።
ናይ ስዑድ ዓረብ መገለጺ ብዛዕባ`ቲ ቅትለት ኣዝዩ ተጋራጫዊ ኢዩ ነይሩ።
ፈለማ፡ ካሾጊ ብሂወቱ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ወጺኡ፡ ጸኒሓ ካሾጊ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቆንስል ብዝተፈጥረ ባእሲ ተቐቲሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካሾጊ ብፋሉላት ተቐቲሉን እቲ መንግስቲ ድማ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮን ገሊጻ።
ስዑድ ዓረብ እቲ ሬሳ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይትፈልጥ ገሊጻ።
ሓደ ስሙ ኪገልጽ ዘይደለየ ብዓልስልጣን ስዑድ ዓረብ ንሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ንካሾጊ ብሓይሊ ናብ ስዑድ ዓረብ ንምምላስ ዝተገብረ ጥምጥም ኢዩ ሞይቱ።
ሬስኡ ድማ ብምንጻፍ ድሕሪ ምጥቕላል ንሓደ ምስቲ ቆንስል ቱርካዊ ክጉሕፎ ተዋሂቡ'ዩ።