ማልታ፡ ብቕትለት ውርይቲ ጋዜጠኛ ካሩና ጋሊዚያ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ተፈሪዱ

ኣብ ማልታ፡ ብቕትለት ውርይቲ ጋዜጠኛ ካሩና ጋሊዚያ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝተረኸበ ን15 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ጋዜጠኛ ካሩና ጋሊዚያ፡ ንብልሹው ምሕደራን ስስዐን ሰበስልጣን መንግስቲ ማልታ ኣብ ምቅላዕ ክትሰርሕ እንከላ፡ ኣብ 2017 ኣብ መኪናኣ ብዝተጻወደ ቦምባ ከም ዝተቐትለት ይፍለጥ።

እዚ ቪንሰንት ሙስካት ዝተባህለ ውልቀሰብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ፡ ነታ ጋዜጠኛ ንምቕታል ኣብ ዝተፈጸመ ምፍንጃር መኪና ከም ዝተሳተፈ ተኣሚኑ።

ብዙሓት እታ ጋዜጠኛ ብትእዛዝ ገለ መራሕቲ ማልታ'ዩ ተፈጺሙ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም።

ጓል 53 ዓመት ዝነበረት ጋዜጠኛ ካሩና ጋሊዚያ፡ ን30 ዓመታት ብፖለቲከኛታትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ማልታ ዝፍጸሙ ገበናት ብልሽውና ኣብ ምቅላሕ ሰሪሓ።

ኣብ 2017 ኣብ ዝነበረ መረጻ'ውን ብፍላይ ምስቲ ኣብ ሽዑ ግዜ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሓሓዙ ክስታት ዝምልከቱ ተረርቲ ነቐፌታታት ተቕርብን ኣብ ፓናማ ፔፐርስ ኣብ ዝተሓትመ፡ ዓበይቲ ገበናት ብልሽውና ዘቃልዐ ጸብጻብ ዝተሳተፈትን እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጆሴፍ ሙስካት፡ ንዝቐርሉ ክስታት ብልሽውና ክነጽጎም እንከሎ፡ ሓደ ካብ ተሓጋገዝቱ ኣብ ቕትለት እታ ጋዜጠኛ ምስታፉ ዘመልክቱ መርመራታት ክመጽኡ ምስ ጀመሩ ኣብ ታሕሳስ 2019 ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ቪንሰንት ሙስካት ትማሊ ንዝቐርበሉ ዝነበረ ክሲ ተኣሚኑ ብዛዕባ ቕትለት እታ ጋዜጠኛ ሓበሬታ ክህብ ክሰማማዕ እንከሎ፡ 51 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ቤት ፍርዲ ክኸፍል ተወሲኑዎ።

እቶም ካልኦት ኣብ 50ታት ክሊ ዕድመ ዝርከቢ ተኸላኸልቲ ኣሕዋት ጆርጅን ኣልፍሬድ ዴጎሪጎን'ውን ትማሊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፤ እንተኾነ ኣይተዛረቡን።

ሰለስቲኦም ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ 2017 ጋዜጠኛ ዳፍኔ ካሩና ኣብ ጥቓ ገዝኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ወጢኖምን ፈጺሞምን ዝብል ክሲ ቐሪቡሎም።

ከም ጸብጻብ ጋዜጣ ማልታ ታይምስ፡ ቪንሰንት ሙስካት ኣብ ጉዳይ ቅትለት እታ ጋዜጠኛ ሓበሬታ ክህብን ይግባይ ናይ ምሕታት መሰሉ ክኽበሩን ምስ ዓቀብቲ ሕጊ ስምምዕ ገይሩ።

ካልእ ራብዓይ ተኸሳሲ ነጋዳይ ዮርገን ፌንች ከኣ ኣብቲ ቕትለት ምምስጣር ዝብል ክሲ እኳ እንተቐረበሉ ንሱ ግን ነቲ ክሲ ኣይተቐበሎን።

ንሱ ኣብ 2019 ካብ ማልታ ክሃድም'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ድሕሪ ቅትለት ጋዜጠኛ ካሩና ጋሊዚያ፡ ወዳ ፖል ኣዲኡ "ኣብ ሞንጎ ምኽባር ሕግን እቶም ዝጥሕሱዎን ጠጠው ስለ ዝበለት'ያ ተቐቲላ" ብምባል ጎስጓስ ጀሚሩ።

ድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ስድራ እታ ጋዜጠኛ ንሚዲያታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ሙሉእ ፍትሒ ክትረክብ መገዲ ዝጸርግ ከም ዝኾነ ገሊጾም።