ሞሮኮ፡ ጋዜጠኛ ሃጃር ራሶኒ ብምንጻል ጥንሲ ተኣሲራ ነይራ

እዛ ሞሮኮኣዊት ጋዜጠኛ፡ ቅድሚ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ብምፍጻምን ጥንሲ ብምንጻልን ንሓደ ዓመት ተፈሪዳ ነይራ።

ንጉስ መሓመድ ሻዱሻይ ብዝሃቦ ምሕረት ዝተፈትሐት ጋዜጠኛ ሃጃር ራሶኒ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ጉዳይ ንጉስ ኢድ ምእታው "ምልክት ርህራሀን ምሕረትን'ዩ" ክብል ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ገሊጹዎ።

ጓል 28 ዓመት ጋዜጠኛ ሃጃር፡ ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአት ሓቢሩዋ ብይቕረታ ምስ ዝተፈትሐ ሕጹያ ኮይና፡ ብኣጻብዕታ ምልክት ዓወት ኣርእያ።

ጎስጎስቲ ከም ዝብሉዎ፡ ጉዳይ ሃጃር ኣብ ልዕሊ ሚዲያታት ተቓውሞ ምስ ዝውሰድ ስጉምቲ ዝዛመድ'ዩ።

ኣብ ሞሮኮ፡ ቅድሚ ሓዳር ዝግበር ጾታዊ ርክብን ምንጻል ጥንስን ሕጋዊ ኣይኮኑን።

ጋዜጠኛ ጃሃር፡ ኣክሃባር ኣል-ያኡም ንዝተብሃለ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ንዝነቅፍ ጋዜጣ እያ ትሰርሕ።

ብነሓሰ፡ ምስ ሱዳናዊ ሕጹያ ካብ ናይ 'ጋይናኮሎጂ' ክሊኒክ ምስ ወጽአት ኽሲ ምንጻል ጥንሲ እንትቐርበላ፤ ንሳ ግን ውሽጣዊ መድመይቲ ኣጋጢሙዋ ንሕክምና ከም ዝኸደት ብምግላጽ፡ ነቲ ዝቐረበላ ኽሲ ትነጽግ።

በቲ ንሳ "ፖለቲካዊ መርመራ" ክትብል ዝገለጸቶ ኽሲ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ተኣሲራ።

ዓቃቢ ሕጊ እዚ ጉዳይ፡ ማእሰርታ ምስ ስራሕቲ ጋዜጠኝነት ዘራኽብ ጉዳይ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ፖሊስ ናብቲ ዝኸደትሉ ክሊኒክ ብምኻድ ዝገበሮ ምጽራይ፡ ጥንሲ ከም ዝነጸለት ዘመላኽት መረዳእታ ረኺቡ'ዩ ኢሉ።

ቤት ፍርዲ ንሕጹያ ሓደ ዓመት ናታ ሓኪም ዝኾነ ዶክተር ድማ ክልተ ማእሰርቲ ክልተ ዓመት እንክፈርዶም፡ ሓጋዚ እቲ ዶክተርን ነርስ እቲ ክሊንክን ድማ ገበነኛታት ኮይኖም ብምርካቦም፡ ኣብ ዝባኖም ዝጸንሕ ማእሰርቲ በይኑሎም።