እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሞሮኮ፡ ኣገዲድካ መርዓን ጾታዊ ዓመጽን ብሕጊ ኣጊዳ
መንግስቲ ሞሮኮ ኣንጻር በስገዳድ መርዓን ጾታዊ መጥቃዕትን ዝዉንጅል ሕጊ፡ ተግባራዊ ገይሩ። እዚ ሕጂ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ጎድንታት ከምዘለዎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ንሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ውድብ ገሊጹ።
እቲ ሕጊ - በስገዳድ መርዓ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ተሪር መቕጻዕቲ ኣንጻር ገለ ጾታዊ ዓመጻትን ዘጠቓለለ ኢዩ።
እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ ብንጹር ነቲ ኣብ ሰብ ሓዳር ዝፍጸም ጾታዊ ምዕማጽ ብዘይምውንጃሉን፡ ትርጉም ዘቤታዊ ዓመጽ ድማ ብንጹር ብዘይምግላጹን ብሂዩማን ራይትስ ዎች ተነቒፉ።
በቲ መንግስቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘምልክቶ 63 ምኢታዊ ናይተን ኣብ ክሊ ዕድመ 18-65 ዘለዋ ደቀንስትዮ ግዳያት ናይ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝኾና ገሊጹ።
``እዚ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ፡ ገለ ጉድለታት ኣለዎ ክንሰርሓሉ ኣሎና። ኣብዚ ደው ኣይንብልን ኢና`` ኢላ ሳሚራ ራኢስ፡ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ተጣባቒት መሰላት ደቀንስትዮ ሞሮኮ።
እዚ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብምኒስተር ደቀንስትዮ፡ ባሲማ ሃካኮይ፡ ዝተነድፈ ሕጊ ብስም እታ ምኒስተር ብሃካኮይ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነተን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቀንስትዮ ሓለዋ መታን ክረኽባ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ ከቕርባ ስለዝሓትት ድማ ክንቀፍ ጸኒሑ።
``ነዚ ሕጊ ንምትግባር ኣገድሰቲ መሳርሒታት ይጎድለና፤ ነቲ ኣብ ስድራ ቤታት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ጭብጥታት ንምቕራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ፡ እተን ግዳያት ዝዕቆባሉ ቦታ`ውን የብልናን`` ኢላ ሳሚራ።
እዚ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ ኣወንታዊ ጎድንታት ከምዘለዎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ፤ ብፍላይ እቲ 'ጾታዊ ዓመጽ ኣንጻር ደቀንስትዮ' ዝብል ዝኾነ ጾታዊ ኣድልዎ - ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምራዊ፡ ጾታውን ቁጠባዊ ሃስያ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘጠቓለለ`ዩ ኢሉ እቲ ውድብ።
እንተኾነ እቲ ሕጊ ``ዓበይቲ ሓጓፋትን ጉድለታትን ኣለዎ፡ ብፍላይ ኣብ ስድራ ቤታት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ነተን ደቀንስትዮ ንሓደጋ ስለዘቃልዐንን፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ብቁጠባ ንምሕጋዝ ዓቅምታት ስለዝጎድሎን`` ይብል እቲ ውድብ።
ኣባል ባይቶ፡ ቡታኒያ ካሮውሪ እዚ ሕጂ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ ኣብ መጻኢ ክቕየርን ነቲ ከይተስተብሃላሉ ዝሓለፈ ጉዳያት ድማ ፍትሓት ክናደየሉ ከምዝኾነን ገሊጻ።
ቡታንያ ወሲኻ ``ምሉእን ፍጹም ዝብሃል ሕጊ የለን`` ኢላ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ጓል 17 ዓመት ኸዲጃ ድሕሪ ምጭዋይን ዝወረዳ ጾታዎ መጥቃዕትን ስዒቡ ህዝቢ ብዘስምዖ መረርን ኣውያትን ኢዩ፤ እዚ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክወዕል ዝኸኣለ።
ኣብ 2014፡ ባይቶ ሞሮኮ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ዝዕምጹ ሰባት ካብ ምኽሳስ ንምድሓን፡ ነተን ግዳያት ክምርዓው ዘፍቅድ ዝነበረ ሕጊ ኣመሓይሹ ኢዩ።