ኣሜሪካ ብጉዳይ ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ “ጽኑዕ ስጉምትታት” ከምእትወስድ ኣጠንቂቓ

ምምሕዳር ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወረራ ክትፍጽም እንተኾይና “ብርቱዕ ስጉምቲ” ንምውሳድ ኣሜሪካ ምድላው ትገብር ምህላዋ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብቪድዮ ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ።

ኣብቲ ናይ ቪድዮ ዝርርቦም፡ ባይደን በቲ ሩስያ ትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊት ምድላዋት ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ብምግላጽ፡ ሃገሩ “ተሪር ቁጠባውን ካልእ ስጉምትታትን” ንምውሳድ ከምእትግደድ ኣጠንቂቑ።

ሩስያ ብወገና ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ ከምዘይትፍጽም ገሊጻ’ላ።

ትንኮያታታት ካብ ዩክሬይን ይመጽእ ከምዘሎ ዝተዛረበ ፑቲን ብወገኑ፡ እቲ ዓቕሚ ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ንምጥንኻር ዝግበር ምንቅስቓስን ኣጽዋር ናብ ሩስያ ምጽጋዕን ክግታእ ሓቲቱ።

ክልቲኦም መራሕቲ ቅድሚ ሎሚ ተጠቒሞምሉ ብዘይፈልጡ ኣዝዩ ውሑስ ዝኾነ ናይ ቪድዮ መራኸቢ ከምዝተዘራረቡ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ መኽፈቲ ዝርርቦም ክልቲኦም መራሕቲ ምሕዝነታዊ ስምዒት ብዝዓሰሎ ሰላምታ ክለዋወጡ ዝተረኣየ ኮይኑ፤ እቲ ንኽልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ዘተ ብዕጹው’ዩ ተኻይዱ፥።

ብድሕሪ እቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተኻየደ ናይ ቪድዮ ዝርርብ መግለጺ ዝሃበ ኣማኻሪ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት ጄክ ሳልቪያን፡ ኣሜሪካ ኣብ ስጉምቲ ሩስያ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ሰፊሕ ምድላዋት ክትገብር ምቕናያ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ነቲ ሩስያ ንግዝኣት ክረሚያ ክትጎብጣ ከላ ምዕራባውያን ስቕ ኢሎም ዝሓለፉሉ እዋን ብምዝኽኻር “ኣብ 2014 ዘይገበርናዮም ነገራት ሎሚ ክንገብሮም ምድላዋት ጌርና ኣለና” ኢሉ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሃገሩ ኣብዞም ጉዳያት ዘለዋ መግለጺ ንጹር ከምዝገበረ’ውን እቲ ኣማኻሪ ሓቢሩ።

እቶም ስጉምቲታት፡ ንቁጠባዊ እገዳታት ሓዊሱ ከም ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ኔቶ ምልኣኽን ንዩክሬን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምሕጋዝን ዝበሉ ካልኦት ንጥፈታት ዘጠቓለሉ እዮም።

እንታይ ዓይነት ቁጠባዊ ስጉምቲታት ክውሰዱ ከምዝኽእሉ ዘየነጸረ ጄክ ሳልቪያን፡ ግን ከኣ እቲ ‘ኖርድ ስትሪም 2’ ብዝብል ዝፍለጠን ገና ናብ ኣገልግሎት ዘይኣተወን ናብ ጀርመን ዝበጽሕ መስመር ነዳዲ ብምጥቃስ ተሓንዩ።

“ፑቲን በቲ መስመር ነዳዲ ዋሕዚ ክህልው ምርኣይ ዝደልይ እንተኾይኑ፤ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ናይ ምፍጻም ድልየት ክህልዎ የብሉን” ኢሉ።

ኣቐዲሞም ዝወጽኡ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር እንተፈጺማ እቲ መስመር [ትቦ] ነዳዲ ንኽዕጾ ሰበስልጣን ኣሜሪካን ጀርመን ኣብ ምርድዳእ በጺሖም’ዮም።

ኣብዚ እዋን ልዕሊ 90 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ናብ ዶባት ዩክሬይን ከምዝተጸግዑ ይግለጽ።

ሰበስልጣን ዩክሬይን ከምዝብልዎ እንተኾይኑ ድማ ሩስያ ነቲ ወራር ኣብ ወርሒ ጥሪ ክትጅምሮ እያ ውጥን ሒዛ ዘላ።