ንሩስያ ዘቖጠዐ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዩክረይን

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዩክረይን ንግጥማት ዩሮ-2020 ኣብ ዘዳለወቶ ማልያ ንግዝኣት ክረምያ ዝሓውስ ካርታ ሒዛ ብምምጽኣ ሩስያ ቁጠዐኣ ትገልጽ ኣላ።

ዩክረይን ኣብቲ ውድድር ንእትሳተፍ ሃገራዊት ጋንትኣ ዘዳለወቶ ማልያ ነታ ኣካታዒት ዝኾነት ግዝኣት ክረምያ ዘጠቓለለ ካርታ ካብ ምሓዙ ብተወሳኺ “ዓወት ንዩክረይን” ዝብል መልእኽቲ’ውን ተጻሒፍዎ’ሎ።

ሩስያ ብ2014 ንከባብታት ክረሚያ ካብ ዩክረይን ከምዝወሰደት ዝዝከር ኮይኑ ካብቲ እዋን ጀሚራ ድማ ከም ኣካል ግዝኣታ ትቖጽራ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ግን ነዚ ኣፍልጦ ኣይሃባን።

ንማልያ ሃገራዊት ጋንታ ዩክረይን ኣመልኪቱ መልኽቲ ዘሕለፈ ሓደ ኣባል ባይቶ ሩስያ “ፖለቲካዊ ትንኮያ” ክብል ነቲ ተግባር ገሊጽዎ።

ሓላፊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዩክረይን ኣንድሬ ፓቬልኮ’ዩ ትማሊ ሰንበት ንፈለማ እዋን ነቲ ሓድሽ ማልያ ብፌስቡኩ ዘላለዮ።

ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ [ዩሮ 2020] ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ክጅምር’ዩ።

ኣብቲ ብጫ ሕብሪ ዘለዎ ማልያ፡ ወሰን እታ ሃገር ብጻዕዳ ሕብሪ ክግለጽ ከሎ ንግዝኣት ክረሚያ’ውን ኣካቲቱ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ እተን ኣብ ትሕቲ ተነጸልቲ ሓይልታት ዝርከባ ዶኔስክን ሉጋንስክን እውን አብቲ ማልያ ተወሲኸን ኣለዋ።

“ዓወት ንዩክረይን” ዝብል ጽሑፍ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት ገጽ’ቲ ማልያ ዝተገበረ ኮይኑ፤ እዚ ጭርሖ ከኣ እቶም ኣብ 2014 ንፕረዚደንት ቪክቶር ያኑኮቪች ካብ ስልጣን ክወርድ ዝገበሩ ሰልፈኛታት ይጥቀሙሉ ምንባሮም ይዝከር።

ሓላፊ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ኣንድሬይ፡ “እዚ ተጻወትትና ጥንካረ ንኽህልዎምን ንመላእ ዩክሬን ክጻወቱ ዝገብርን ከምዝኸውን እምነት ኣለኒ” ኢሉ።

ወሃቢ ቓል ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫ ግን ነቲ ማልያ ከምዝነቐፈት’ዩ ዝግለጽ፤ “እታ ሃገራዊት ጋንታ ነታ ግዝኣት ሩስያ ዝኾነት ክረሚያ ሒዙ ምውጽኡ ንዘይኸውን ነገር ከም ምሕላም’ዩ” ኢላቶ።

“ፍጹም ልክዕ ዘይኮነ” ክብል ነቲ ተግባር ዝኾነነ ኣባል ባይቶ ሩስያ ዲሜትሪ ስቪሽኮቭ ብወገኑ፤ ኣዳለወቲ ዩሮ-2020ን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ስጉምቲ ክወስዱ ሓቲቱ።

ግጥም ኲዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣብ 2020 ክካየድ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ ይዝከር።

ድሒሩ ድሕሪ ዝወጽአ መደብ ግን ካብ 11 ሰነ ክሳብ 11 ሓምለ ኣብ 11 ከተማታት ክካየድ'ዩ፡ ሩሲያዊት ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ድማ ሓንቲ ካብተን ግጥማት ዝካየደለን ከተማታት’ያ።