ሩስያ ንዩክረይን ንምውራር ትሸባሸብ ኣላ ድያ? ዝብልን ካልእ ሕቶታትን

መንግስቲ ዩክረይንን ሃገራት ምዕራብን፡ ሩስያ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝርከብ ናይ ኵናት ዞባ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ ሰራዊታ ብብዝሒ ተጸግዕ ምህላዋ'የን ዝገልጻ።

ሩስያ ንምንታይ ሰራዊታ ናብቲ ዞባ ተጽግዕ ምህላዋ ዝተሓበረ ነገር የለን።

ንዝሓለፉ ንጥፈታት ምድህሳሶም ግን ሓደ ስእሊ ክህብ ይኽእል እዩ።

ሩስያ ንዩክረይን ንምጉባጥ ትዳሎ ኣላ ድያ?

ብዙሓት ምንጭታት፡ ሩስያ፡ ናብ ምብራቓዊ ዶብ ዩክረይንን ናብ ክሬሚያን ሰራዊታ ተጸግዕ ምህላዋ እዮም ዝገልጹ።

ክሬሚያ ኣብቲ ናይ ኵናት ዞና ዝርከብ ቦታ ኮይኑ ሩስያ ኣብ መጋቢት 2014 ካብ ዩክረይን ዝተቆጻጸርዎ መሬት እዩ።

እቲ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ኣብ ትዊተር ሰብ ብብዝሒ ክቀባበለሎም ይረኣ።

ሓደ ጀን ዝተብሃለ ተንታኒ ስለያ ኣብ ትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሓጺር ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይል ዝጽዓና ድሩዓት መካይን ናብ ክሬሚያ ገጸን እናተንቀሳቐሳ እንከለዋ ዘርኢ እዩ።

መንግስቲ ሩስያ ንምንታይ ሰራዊት የንቀሳቕስ ከም ዘሎ ግን ኣይሓበረን።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን ድሚትሪ ፔስኮቭ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሩስያ ካብን ናብን ሰራዊታ ከተንቀሳቐስ መሰላን ንዓኣ ዝምልከትን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ንዝኾነ ኣይምልከቶን'ዩ ዝብል ሓጺር መልሲ እዩ ሂቡ።

ሰራዊት ሩስያ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ክሬሚያ ዝርከቡ ኣሃዱታት ኣብ ጸዑቕ ተዓሊም ተጸሚዶም ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ድሚትሪ ፔስኮቭ ግን ዩክረይን 'ምትዅታዅ' ትፈጥር ኣላ ኢሉ እዩ ዝኸስስ።

ምንጭታት ስለያ ዩክረይን ንቢቢሲ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣብ ክረምያ ብጀካ እቶም ዝነበሩ ሰራዊት ሩስያ 16 ቦጦሎኒታት ከም ዝተወሰኹ ብምሕባር ቁጽሪ ናይቶም ዝተወሰኹ ሰራዊት ሩስያ 14000 ከም ዝበጽሕ እዮም ዝሕብሩ።

ካብ ፕረዚደንት ዩክረይን ብዝተሓበረ መሰረት ሩስያ ብሓፈሻ ኣብ ምብራቃዊ ዶብ ዩክረይን 40 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ዞባ ክሬሚያ ከኣ ተወሰኽቲ 40 ሽሕ ሰራዊት ኣገዲማ ከም ዘላ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ስለዚ እዚ ሰራዊት እዚ ንዩክረይን ንምውራር ዓሪዱ ዘሎ ድዩ?

ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ተንተንቲ ግን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓቢ ወራር ክትፍጽም ዘሎ ተኽእሎ ውሕዱ'ዩ እዮም ዝብሉ።

እንተኾነ፡ ሩስያ ናይ ሱልካ ታክቲክ ተጠቒሞም ገለ ክፋላት ናይ ዩክረይን ክቆጻጸሩ ተኽእሎታት ከም ዘሎ እቶም ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብ 2014 'ሊትል ግሪን ሜን' ተባሂሎም ዝጽውዑ ፍሉያት ሓይልታት ናይ ሩስያ እዮም ንክረምያ ተቆጻጺሮማ።

ዩክረይን፡ ሰሙን ኪዳን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ምዕራባውያን ሃገራትን ሩስያ ነቶም ካብ ዩክረይን ክፍለዩ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሓይልታት ሰራዊታ ብምውፋርን ከበድቲ ብረት ብምስናቕን ትሕግዞም ከም ዘላ እዮም ዝገልጹ።

መንግስቲ ሩስያ ነዚ ክሲ ይንጽጎ'ዩ።

ሩስያን ዩክረይንን ንምንታይ ኣብ ኵናት ተጸሚደን?

ኣብ 1991 ስርዓት ኮሚዩኒስት ምስ ፈረሰ፡ ሰራዊት ሩስያ ምስ ብዙሓት ኣካል ሕብረት ሶቭየትት ዝነበራ ሃገራት ኣብ ግጭት ኣትዩ።

ሩስያ ክሬሚያ ምስ ተቖጸጻረት ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ሚያዝያ 2014 ካብ ዩክረይን ክፍለዩ ዝጠልቡን ካብ ሩስያ ደገፍ ዘለዎምን ዕጡቓት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን ንዝርከባ ዶንተስክን ኩሃንስክን ዝተብሃላ ክልተ ዞባታት ተቆጻጺሮመን።

ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ'ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ከተማ ከይቭ ኣንጻር እቲ ምስ መንግስቲ ሩስያ ይደናገጽ እዩ ዝበልዎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቪክቶር ብዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ እቲ ፕረዚደንት ብሓይሊ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ እዩ።

ኣብቲ ናይ ኵናት ዞባ እትርከብ ዞባ ዶንባስ ነበርታ ዝብዝሑ ቋንቋ ሩስያ እዮም ዝዛረቡ፤ ፓስፖርቶም'ውን ናይ ሩስያ እዩ።

ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን ሩስያ፡ ዜጋታታ ዋላ ኣብ ወጻኢ ይሃልዉ ሓደጋ እንተኣንጸላልይዎም ክትኸላኸለሎም ግዴታ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ብካልእ ኣዘራርባ እቶም ኣብ ዶንባስ ዝርከቡ ፓስፖርት ናይ ሩስያ ዝጥቀሙ ሰባት ዋላ ኣብ ክሊ መሬት ዩክረይን ይሃልዉ ክንከላኸለሎም ግዴታ ይብል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ርክባት ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ተሃዋሲ ኩነታት እዩ ዘሎ፡ እንተኾነ ኣብ ዞባ ዶንባስ ሓሓሊፈን ዘካይድኦ ምልውዋጥ ቶኵሲ እንተዘይኮይኑ ናብ ምሉእ ኵናት ኣየምርሓን።

ሩስያ ኣብቲ ዞባ ጂኣርዩ ዝብሃሉ ፍሉያት ሓይልታት፡ ናይ መጥቃዕቲ ሳይበርን ፕሮፖጋንዳን እያ ትጥቀም።

ነዚ ፍሉይ ልኡኽ ተመራማሪ ጉጅለ ኣመሪካ መጽናዕቲ ብምክያድ ናብ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ዘረጋገጾ እዩ።

ሩስያን ዩክረይን ኣብ 2015 ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ውዕል ቅድሚ ምኽታመን ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ኣብ ቅሉዕ ኵናት'የን ተጸሚደን ነይረን።

ብድሕሪኡ'ውን ሰላማዊ ምልውዋጥ ምሩዃት ኣካይደን።

በቲ ሩስያን ዩክረይንን ዘካየደኦ ኵናት ልዕሊ 13000 ሰባት ከም ዝሞቱ እዩ ዝግለጽ።

ዩክረይ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት ጥራይ ኣብ ዞባ ዶንባስ 26 ወተሃደራታ ብሰራዊት ሩስያ ከም ዝተቐተሉ ትገልጽ።

ምስቲ ኣብ 2020፡ 50 ሰራዊት ዩክረይን ኣብቲ ዞባ ምቅታሎም ብምንጽጻር ኣብዛ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣልዒልናላ ዘለና ዓመተ 2021 ክንድዚ ሰራዊት ዩክረይን ምቕታሎም ዘሻቕል ከም ዝኾነ'ዮም ተንተንቲ ዝሕብሩ።

ሩስያ ንምንታይ እያ ሕጂ ንዩክረይን ተፈራርሓ ዘላ?

ተንተንቲ ፖለቲካ ሩስያን ዩክረይንን ፖቨል ፈልጎንጎርን ጀምስ ሸርን ነቲ ዝነበረ ወጥሪ ዘጋድዱ ብዙሓት ሮቛሒታት ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎደሚር ዘለንስኪ ኣብ ልዕሊ ዓርኪ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ዩክሬናዊ ቪክቶር መድቨደቹክ እገዳ ኣንቢራ።።

ካብዚ ብተወሳኺ ዩክረይን ምስ ሩስያ ሕግብግብ ይብሃለ'የን ዝበለተን ሰለስተ መደበራት ተለቪዥን'ውን ዓጽያተን።

እቲ ኣብ 2015 ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ሚኒስክ'ውን ከምቲ ዝተዘረበሉ ኣብ ባይታ ኣይተተግበረን።

ንኣብነት ኣብቲ ካብ ዩክረይን ክንጸሉ ዝደልዩ ጉጅለታት ዘለውዎ ቦታ ተዓዘብቲ ዝሳተፍዎ ምርጫ ክካየድ ዝብል ነጥቢ ዩክረይን እዚ ንኽግበር ዝኾነ ዝገበረቶ ቅድመ ምድላዋት የለን።

ሩስያ ናብቲ ካብ ዩክረይን ክንጸሉ ዝጠልቡ ዘለዉ ዞባ ሰራዊታ ዓቐብቲ ሰላም ኮይኖም ንክሰርሑ ሰዲዳ ነይራ።

እንተኾነ ሰራዊት ሩስያ ክወጽኡ ዩክረይን እኳ ደጋጊማ እንተሓተተት፡ ሩስያ ግን ዕጭ ሓንፊፋ።

ቅደሚ ሕጂ'ውን ኣብ ሞልዶቫን ደቡብ ኦሰሽያን ከምዚ ዓይነት ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝሕብር ጀምስ ሼር፡ ኣብ ዩክረይን'ውን ደጊሙ ከጋጥም ይኽእል እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሩስያ ላዕለዋይ ኢድ ዘውህብ'ዩ ይብል።

ካልኦት ኸኣ ፕረዚደንት ቫላድሚር ፑቲን ነቲ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተሪር መርገጺ ከም ዘለዎ ዝግለጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኽፍትኖ ኢሉ ዝግብሮ ዘሎ'ዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ።

ኔቶ ንዩክረይን ክኸላኸለላ ይኽእል ድዩ?

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተገበረ ውዕላት ኔቶ ንዩክረይን ክሕግዛ ዘገድድ ውዕል የብሉን፤ ምኽንያቱ ዩክረይን ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣይኮነትን።

እንተኾነ ኔቶ ምስ ዩክረይን ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ እዩ ዘለዎ።

ዩክረይን ካብ ኣመሪካ ትርከበን ሃገራት ምዕራብን ኔቶን ጸረ ታንኪ ሚሳኤል ከይተረፈ እዩ ክበርከተላ ጸኒሑ።

ሩስያ፡ ምስ ዩክረይን ኣብ ትገብሮ ኵናት፡ መጋጥምታ ዝኾነት ዩክረይን ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ደገፍ ክገበረላ ምዃኑ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ሃገራት ኔቶ ንዩክረይን ብቁልጡፍ ኣባለን ክገብርኣ ደጋጊሙ ይምሕጸን ኣሎ።

እቲ ዘሎ ወጥሪ ግን እቲ 30 ሃገራት ዝሓቁፍ ማሕበር ኪዳን ኣትላንቲክ ኔቶ ንዩክረይን መበል 31 ኣባሉ ከይገብራ ዕንቅፋት ኮይንዎ ኣሎ።