ሩሲያ፡ ኣብ ሞስኮ ክታበት ኮቪድ-19 ምሃብ ጀሚራ

ሩስያ መርሃግብሪ ክታበት ኮቪድ-19 ዝጀመረት ኮይና፡ ክሊኒካት ሞስኮ ነቶም ንኮሮናቫይረስ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝበሃሉ ሰባት ክኸትባ ጀሚረን ኣለዋ።

ሩሲያ ነቲ ባዕላ ዘማዕበለቶን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተመዝገበን፡ ስፑትኒክ-5 ዝተባህለ ክታበት’ያ ኣብ ረብሓ ክውዕሎ ጀሚራ ዘላ።

ሰብ ሞያ፡ እቲ ክታበት 95 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝኾነን ጎናዊ ሳዕቤን ከም ዘይብሉን ክገልጹ ከለው፡ ሕጂ’ውን ገና ኣብ ብዙሓት ሰባት ኣብ መስርሕ ፈተነ ዘሎ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ቀዳማይ ዙር ክታበት ክወስዱ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

ክሳብ ሕጂ ግን ሩሲያ ክንደይ ዝኣክል ክታበት’ያ ክተፍሪ ዝብል ብወግዒ ኣይገለጸትን።

ኣፍረይቲ ግን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት፡ ክልተ ሚሊየን ክታበት ከፍርዩ እዮም ትጽቢት ዝገብሩ።

ከንቲባ ሞስኮ ሰርጂ ሶብያኒ፡ 13 ሚሊዮን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ዝሰርሑን ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ማሕበራዊ ዕዮ ዝኾኑ ሰባት ክታበት ከም ዝወሃቦም ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ’ዩ።

ኣብ ቐጻሊ፡ ዓቐን እቲ ዝፈሪ ክታበት ተራእዩ ብዝሒ ክታበት ዝወሃቦም ሰባት ክውስኽ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 60 ዝኾኑ ኣብ 70 ከተማታት እታ ሃገር ዝነብሩ ሰባት፡ ብቐጥታ ብኢንተርነት ክምዝገቡ ኣገልግሎት ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት መርፍእ ዝተወግኡ፣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ድማ ናይ ምትንፋስ ጸገም ዘጋጠሞም፣ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም፣ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታትን ግን እዚ ክታበት ኣይክወስዱን።

ነፍሲ ወከፍ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሃቦም ሰባት ከኣ፡ ክልተ መርፍእ ዝውግኡ ኮይኖም፤ እቲ ኻልኣይ ድሕሪ 21 መዓልቲ ዝወሃብ’ዩ።

ኣብ ሩሲያ፡ ልዕሊ 2.4 ሚሊየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ 42 ሽሕን 684 ድማ ሞይቶም።

ሎሚ መዓልቲ፡ ዝለዓለ ዝተባህለ መልከፍቲ 28,782 ሰባት ኣጋጢሙዋ ኣሎ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ሆስፒታላት: ብሕሙማት ልዕሊ ዓቕመን ዝተጻበባ ኮይነን፡ ሞስኮ ድማ ልዑል ዝርግሐ እቲ ለበዳ ዝርኣየላ ከተማ እያ።