ኣብ ሩሲያ፡ 5 ሽሕ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ተኣሲሮም

ኣብ ሩስያ፡ ንማእሰርቲ መራሒ ተቓውሞ ኣሌክሲ ናቫልኒ ተቓዊሞም ናብ ኣደባባያት ዝወጽኡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ምምሕዳር ፑቲን፡ እዞም ሰልፈኛታት ዘይሕጋውያን እዮም ብዝብል ናብ ኣደባባያት ከይወጹ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ዛጊድ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ሩስያውያን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ፖሊስ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምጅማሩ፡ ንመደብራት ባቡርን ንኻልኦት ቀንዲ ናይ ምንቅስቓስ ማእከላትን ዓጽዩ ነይሩ።

ቀንዲ ተቐናቓኒን ነቓፍን ፕረዚደንት ፑቲን ዝኾነ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ኣብ በርሊን ዝገብሮ ዝነበረ ሕክምና ወዲኡ ናብ ሩስያ ምስኣተወ፡ ሽዑ ንሽዑ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ መራሒ ተቓውሞ፡ ብኣባላት ጸጥታ ፑቲን ከምዝተሰመመ እዩ ዝግለጽ። ቤት ጽሕፈት ክሬምሊን ግን ኣይወዓልናዮን እዩ ዝብል።

እቲ ተቓዋሚ ዋላ’ኳ ብሰንኪ’ቲ ዝጋጠሞ ምስማም ህይወቱ ንስክላ እንተደሓነት’ውን፤ ንሱ ግን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ቃልሱ ካብ ምቕጻል ኣየብኮረን።

ድሕሪ ማእሰርቱ ድማ፡ ብዙሓት መንግስተት ኣውሮጳ ንመምሕዳር ፑቲን ኣትሪሮም ነቒፎም እዮም።

ሩስያ፡ ንተቓወምቲ ብምስማም ትቐትል እያ ብዝብል ክስታት ይቐርበላ እዩ።

እዚ ከም’ዚ እንተሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዋጋ ኣለዎ ዝተብሃለ ሓድሽ ቤተመንግስቲ ‘ኣይናተይን’ ኢሉ’ሎ።

ተቓወምቲ ግን፡ እዚ ‘ናይ ሕንቃቐ’ ዘብለጭልጭ ቤተ መንግስቲ፡ ናይ ፑቲንን ስድርኡን እዩ ክብሉ ይዛረቡ ነይሮም።

ነዚ ቤተመንግስቲ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ሩስያ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ኮይኑ፡ ቁጠዐ’ውን ኣልዒሉ እዩ።

እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ዩቱብ ልዕሊ ሚኢቲ ሚልዮን ግዜ ተራእዩ’ሎ።

ፑቲን፡ ብወግዒ እቲ ቤተ መንግስቲ ኣይናተይን ኢሉ ዝተዛረበ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ጸብጻብ ድማ ‘ዘይረብሕ’ ክብል ነጺግዎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ናይ ፑቲን መተዓብይትን መሓነን ዝኾነ ቢልዮነር አርካዲ ሮከንበርግ፡ እዚ ህንጻ ናተይ እዩ ክብል ብወግዒ ተዛሪቡ’ሎ።

ተቓወምቲ ግን፡ እቲ ሃብታም ተገዲዱ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ ሩስያ እቲ ንኻልኣይ ሰሙን ቀጺሉ ሰሎ ተቓውሞታት፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዘለዎ ቅረታ ዘርኣየሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ሩስያ ተቓውሞ ንምግባር ምፍታን ኣዝዩ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሳራ ራይንፎርድ ትገልጽ።

ሰልፈኛታት፡ ዋላ’ኳ ብፖሊስ ካብ ምቕጥቃጥን ምእሳርን እንተደሓኑ፡ ካብ ስርሖም ክስጎጉ ወይ’ውን ገንዘብ ክቕጽዑ ይኽእሉ ትብል።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ’ቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ናብ’ቲ ናቫልኒ ተኣሲሩሉ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ገጾም ክጽግዑ ፈቲኖም ነይሮም፤ ፖሊስ ግን በቲንዎም።

በዓልቲ ቤት ናይ’ቲ መራሒ ተቓውሞ’ውን ኣብ’ዚ ሰልፊ ተሳቲፋ እያ።