ዩክረይን ሩስያ እተሳተፈትሉ ዕልዋ መንግስቲ ተወጢኑ’ሎ ክትብል ከሲሳ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ “ወኪላት” ሩስያ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ንመንግስቱ ንምዕላው ይውጥኑ ምህላዎም ገሊጹ። ብኻልእ ወገን ሩስያ ሰራዊታ ናብ ዶባት ምጽግዓ ኣብታ ሃገር ናይ ወራር ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ሚስተር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብድምጺ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዝሃብተመ ነጋዳይ እታ ሃገር ናብት ውጥን ክኣቱ ከምዝተገበረ’ውን ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ቤተመንግስቲ ሩስያ “ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ናይ ምእታው ውጥን” ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ሞስኮ ነቲ ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶባት ምጽግዑ “ኣስጋኢ’ዩ” ንዝብል ጸብጻባት’ውን ነጺጋቶ ኣላ።

ብዓርቢ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ሓይሊ ምስ እትጥቀም “ዋጋ ከኽፍላ እዩ” እኳ እንተበለ ግልጺ ኣይገበሮን።

ሚስተር ዘለንስኪ ካብ ሩስያ ይመጽእ ኣሎ ንዝበሎ “ኣዝዩ ሓደገኛ መግለጺታት” ኮኒኑ።

“እቲ ኩነታት ክዓርግ ከም ዝኽእል ምልክት እዩ” ድሕሪ ምባል “ጽባሕ ኲናት ከም ዝህሉ ዘርእይ ስግኣት ኣሎ። ንሕና ድልዋት ኢና” ኢሉ።

ሩስያ ብዙሕ ሰራዊት ኣብቲ ካብ መጋቢት 2014 ጀሚራ ካብ ዩክረይን መንዚዓቶ ዘላ ግዝኣት ክረምያ ኣስፊራ ኣላ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ከኣ ናብ ዶብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ዩክረይን ሰራዊታ ተንቀሳቕስ ምህላዋ ይግለጽ።

ኣብ ዞባ ዶንባስ ብፍላይ ሉሃንስክን ዶነስክን ዝበሃል ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብሩስያ ዝድገፉ ተነጸልቲ ይርከብ።

ክሲ ዕልዋ መንግስቲ

ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ነዊሕ ጋዜጣዊ መግለጺ “ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ሃገርና ዕልዋ ከምዝህሉ ሓበሬታ በጺሑኒ ኣሎ” ኢሉ።

ሚስተር ዘለንስኪ ወሲኹ፡ እቲ ተቓዋሚኡን ሃብታም እታ ሃገርን ዝኾነ ሪናት ኣክሜቶቭ ዝተበሃለ ውልቀሰብ “ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዩክረይን ኣብ ዝተወልዐ ኲናት ተወጢጡ ኣትዩ ኣሎ” ኢሉ።

ሚስተር ዘለንስኪ እቶም ነቲ ዕልዋ ይውጥኑ ኣለው ዝበሎም ኣካላት ግልጺ እኳ እንተዘይገበረ ሚስተር ኣክሜቶቭ ብዛዕባ እቲ ተጎቲቱ ዝኣትዎ ዘሎ ውጥን ክፈልጥን ዘይክፈልጥን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ሚስተር ኣክሜቶቭ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንርእይቶ እቲ ፕረዚደንት ነጺጉ።