እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝተርኣየ ሓድሽ ዓሌት ንብዙሓት ሃገራት ኣሻቒሉ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሆንኮንግን እስራኤልን ዝተርኣየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተወሳኺ ዓለምለኻዊ ስግኣት ብምፍጣሩ ሓያሎ ሃገራት በረራታት ኣየር ክእግዳ ጀሚረን ኣለዋ።
እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተርኣዩ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ።
ሓደ ተማራማሪ፡ "ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተርኣዩ ቫይረሳት እቲ ዝሓሰመን ዘሰንብድን'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ዋላ'ኳ ዝበዝሑ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብታ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዋን ዓበይቲ ከተማታት ጆሃንስበርግን እርእሰከተማ ፕሪቶርያን ዝርከባላን ዞባ ዃውቴንግ (ደቡብ ኣፍሪቃ) እንተ ተረኽቡ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ እስራኤልን ቦትስዋናን ከምዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ'ሎ።
ናይዚ ሓድሽ ቫይረስ ቅልጣፈ ልብዒ፣ ብኽታበት ናይ ምግታእ ተኽእሉኡን ክውሰድ ብዛዕባ ዝግባእ ጥንቃቐን ዝምልከቱ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት'ኳ እንተለዉ፡ ተመራመርቲ ግን ዘለዎም ሻቕሎት ይገልጹ ኣለዉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝበሎ፡ ጽልዋ ናይዚ ተቐልቂሉ ዘሎ ዓሌት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንምፍላጥ ብውሕዱ ክልተ ሳምንታት ክወስድ'ዩ። ክሳብ ክንደይ ብናህሪ ክላባዕ ይኽእል ንምርግጋጽ ድማ ተመራመርቲ ሓያል ጻዕሪ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ኣዝዩ ዝተቐየረ ዓሌት ብምዃኑ፡ እቲ ነቲ ካብ ከተማ ዉሃን (ቻይና) ዝተበገሰ ፈላሚ ዓሌት ንምቁጽጻር ፈርዩ ዘሎ ክታበታት ኣድማዒ ክኸውን ከምዘይክእል ተመራመርቲ ኣሚቶም ኣለዉ።
እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ B.1.1.529 ዝብል ስም ተጠሚቑ ኣሎ።
እቲ ቫይረስ ዝተራእየለን ሃገራት
ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቶም ዝበዝሑ ካብቶም በቲ ሓድሽ ዓሌት ዝተለኽፉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽቡ'ዮም።
ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ኣወራጃ ኻውቴንግ እዮም ተረኺቦም።
ዛጊት ኣስታት 24 ሚእታዊት ህዝቢ ደበብ ኣፍሪቃ ጥራይ'ዩ ምሉእ (ክልተ) ክታበት ወሲዱ ዘሎ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ለብዒ ናይቲ ሓድሽ ዓሌት ሃስያ ከየስዕብ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ኣብ ሆንግ ኮንግ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ዝተረኽበ ውልቀሰብ'ውን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸደ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ኣውሮጳ'ውን ኣብ ሃገረ ቤልጂም፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ግብጺ፡ ብቱርኪ ኣቢላ ዝተጓዕዘት ክታበት ዘይወሰደት ውልቀሰብ ከምዘተረኽበ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ እስራኤል'ውን፡ ኣብ ሓደ ካብ ማላዊ ዝኸደን ምሉእ ክታበት ዝወሰደን ሰብ ተረኺቡ'ሎ። ቀዳይ ሚኒስተር ናፍታሊ በነት ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ህጹጽ እዋን ንምእዋጅ ኣብ ቀረባ ኢና ዘለና" ኢሉ።
ግብረመልሲ ሃገራት ዓለም
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ተሃዊኸን ናይ መገሻ እገዳታት ከይገብራ ብምምሕጻን፡ እቲ ዝወስድኦ ስጉምቲ "ነቲ ስግኣት መሰረት ዝገበረን ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ" ዝተኸተለን ክኸውን ኣለዎ ይብል።
እንተኾነ ግን፡ ብሪጣንያን ሆላንድን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት፡ ካብዘን ዝስዕባ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝብገሱ በረራታት ንግዚኡ ኣጊደን ኣለዋ፤
- ደቡብ ኣፍሪቃ
- ቦትስዋና
- ናሚቢያ
- ኢስዋቲኒ (ናይ ቀደም ስዋዚላንድ)
- ሌሶቶ
ኩለን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ካብቲ ዞባ ዝብገስ በረራታት "ብህጹጽ" ደው ከብላ ሓላፊት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ጸዊዓ'ላ።
ሲንጋፓር፡ ኢጣልያ፡ ፈረንሳን እስራኤልን ካብተን ንሞዛምቢክ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ዘእተዋ ሃገራት እየን።
ሪፓብሊክ ቸክ'ውን ካብ ኩለን እተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ኣፍሪቃን ዛምቢያን ዝግበር መገሻታት ካብ ቀዳም ጀሚራ ከምእትግድ ኣፍሊጣ።
ጃፓን ብወገና፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኩሎም ካብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ን10 መዓልታት ክውሸቡ ምዃኖም ኣዚዛ።
ጀርመን ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚራ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝምለሱ ዜጋታታ ጥራይ ከምእትቕበል ገሊጻ'ላ።
ሰብመዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን እቲ እገዳታት "ብታህዋኽ" ይግበር ምህላዉ ነቒፎም ኣለዉ።