‘ንፑቲን ክነኽብሮ'ዩ ዝግባእ’ ዝበለ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ

ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ብዝሃቦ ኣካታዒ ርእይቶ ንዓርሱ ካብ ስልጣን ኣልዩ።

ከይ -ኣቺም ዦንባች፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እያ ዝብል ሓሳብ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮንን ኢሉ ነይሩ።

ንሱ፤ ወሲኹ ድማ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ክኽበር ጥራይ እዩ ዘለዎ ኢሉ።

ከም በዓል ኣመሪካን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ኣጽዋራት ውግእ ናብ ዩክረይን ገጸን ይኣኻኽባ ኣለዋ።

ጀርመን ግና፡ ነዚ ካብ ዩክረይን ዝቐረበላ ጻውዒት ሓገዝ ኣጽዋር ውግእ ኣይተቐበለቶን።

ሩስያ ብተደጋጋሚ ንዩክረይን ክትወርር ትዳሎ ኣላ ዝብል ክስታት ክትነጽግ እያ ጸኒሓ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን ብዝምልከት ንምዕራባውያን ስግኣቱ ኣንጸባሪቑ እዩ።

ብፍላይ ድማ ዩክረይን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣባል ኮይና ከይትጽምበር ስግኣት ኣለዎ።

ከምኡ’ውን እቲ ኪዳን ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት፡ ብቐጥታ ንሩስያ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ደው ከብል ጠሊቡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እንግሊዝ፡ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ብመስኮ ዝድገፍ መራሒ ዝግናሕ መንግስቲ ንመቛም ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ከሲሳ ኣላ።

ሚስተር ዣንባች፡ ትማሊ ቀዳም ከምዝበሎ፡ ‘ተወሳኺ ጉድኣት ንዘይምብጻሕ’ ብዝብል ካብ ሓላፍነቱ ተልዒሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ንሱ፡ እቲ ብዛዕባ ዩክረይን ዘንጸባረቖ ርእይቶ፡ ኣብ ህንዲ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ዘተ ኾይኑ፡ ጽንሕ ኢሉ እቲ ቪድዮ ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ተጠቂዑ።

ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምሰሊ፡ ሚሰተር ዦንባች፡ ፑቲን ብሃገራት ምዕራብ ከም ሓደ ማዕረ መራሒ እዩ ክቑጸር ዘለዎ ክብል እዩ ዝስማዕ።

"ዝግባእ ክብሪ ክንህቦ ኣለና። ብናተይ ግምት ድማ ክብሪ ዝግበኦ መራሒ እዩ” ኢሉ።

ሩስያ ብ2014 ናብ ሃገራ ብዛዕባ ብሓይሊ ዝጠቕለለቶ ግዝኣት ወሽመጥ ክሪምያ፡ ‘በቃ ንሓዋሩ ከይዱ እዩ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይክምለስን” ክብል ድማ ወሲኹ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ነቲ ብሚስተር ዦንባች ዝተውሃበ ርእይቶ ‘ሙሉእ ንሙሉእ ተቐባልነት ዘይብሉ’ ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶባት ዩክረይን ምጽገዖም ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ጎንጺ ናይ ምልዓል ጭቡጥ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ እዩ።

ልዕሊ 90 ቶን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ናብ ዩክረይን በጺሑ ከምዘሎ መረዳእታት ይሕብሩ።

ዩናይትድ ኪንግደም ብወገና፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ሰልጠንቲ ሰራዊትን ናብቲ ከባቢ ምልኣኻ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጣ ኣላ።

ካልኦት ኣባል እቲ ኪዳን ዝኾና ምዕራባውያን ሃገራት’ውን ናብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ሰራዊትን ይልእኻ ከምዘለዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሃገረ ጀርመን ግን፡ ናብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከምዘይትልእኽን፡ ኣብ ክንድኡ ተንቀሳቓሲ ሆስፒታል ከምእትልእኽን ኣፍሊጣ ኣላ።

ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ከምዝጸብጻቦ ድማ፡ ኢስቶንያ ዝተብሃለት ሃገር ሰርሓት-ጀርመን ዝኾነ ኣጽዋር ናብቲ ከባቢ ከተጉዕዝ መስበለት ከምዘኸልከለት’ውን ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ጀርመን፡ ንሓደ ሃገራዊ ጋዜጣ’ታ ዓዲ ከምዝበሎ፡ በርሊን ናይ መተንፈሲ መሳርሒ ልኢኻ ኣላ።

ከምኡ’ውን ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ሆስፒታላት ጀርመን ግቡእ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ- ኢሉ።

ዩክረይን ግና፡ በቲ ካብ ጀርመን ዝተውሃበ ኣሉታዊ ምላሽ፡ ሕጉስቲ ኣይኮነትን፤ ሓድነት ምዕራባውያን ዝዘርግ ስጉምቲ ክትብለ ኮኒናቶ ኣላ።

ጀርመን ኣጽዋራት ውግእ ናብ ሃገራ ከይሓልፍ ምኽልካል ሓዊሱ፡ ምትሕብባር ምዕራባውያን ተዘሕትል ኣላ ክትብል ከሲሳ ኣላ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ዲሚትሮ ኩሌባ፡ ኣብ ትዊተሩ እቲ ጀርመን ዝሓዘቶ ቅዋም ጀርመን ንዩክረይን ንክትወርር ዘበረታትዕ እዩ ኢሉ ብተደጋጋሚ ወቒሱ።