እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክሬይን ብልቓሕ ዝግዛእ 'ኮስቱሞ' ናብ ጨረታ ኣውሪዳ
ሙታንቲ ወይ 'ኮስቱሞ'፡ ኣብ ዩክሬይን ናብ ጨረታ ካብ ሞንጎ ዝቐርቡ ኣቑሑት ኮይኑ።
እዚ ኣብ ከተማ ክርይቪዪ ሪህ ዝተወርሰ ኮስትሞ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብጨረታ ክሽየጥ ይወዓዋዕ ነይሩ።
መጀመሪ ዋጋኡ ድማ 19.4 ህሪቭና (0.70 ዶላር) እዩ።
ቅድም ኢሉ'ውን እታ ሃገር፡ ከብትን ኣባጊዕን ናብ ጨረታ ተቕርብ ምንባራ ይፍለጥ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን ቑጽሪ ብልቓሕ ኣቕሓ ክወስዱ ዝደልዩ ተጠቀምቲ ዩክሬናውያን ልዕሊ ክልተ ሚሊየን ከም ዘብጽሖ ይግለጽ።
ከም ጸብጻብ ሓደ ቢቢሲ ዩክሬይን ዝተዓዘቦ ወግዓዊ ሰነድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቑጽሪ ተለቃሕቲ ብ300 ሽሕ ዓብዩ።
ኣብ 2020፡ ዝተወርሱ ኣኻልብ ንመሸጣ ምቕራቦም ኣብ ሞንጎ ዩክሬናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሉ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባል ባይቶ ዩክሬይን የቭጌንሊ ብርሃር ናይ ኣገልግሎት ክፍሊታት ንክትከፍል ዘዕበየቶ ከልቢ ክትሸይጥ ምዃና ገሊጻ ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ።
ብወርሒ ታሕሳስ 2020 ዝወጽአ ጸብጻብ ትካል ልምዓትን ቁጠባዊ ምትሕብባርን (ኦኢሲዲ) ከም ዝሕብሮ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዩክሬይን ኣብ ሕሉፍ ዓሰርታት ዓመታት ካብ ዘጋጠመ እቲ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ዝሕታለ ክገጥማ እዩ ይብል።
ካብ 41 ሚሊየን ህዝባ እቲ ትሸዓተ ሚሊየን ንድኽነት ከም ዝቃላዕ እቲ ትካል ገሊጹ።
ከም መጽናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተኾይኑ ድማ፡ ካብ መጀመርታ እቲ ለበዳ ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ስድራቤታት እታ ሃገር ሓደ ካብ ኣባል ስድርኦም ስርሑ ስኢኑ እዩ።
ብመርበብ ሓበሬታ ኣቑሑ ብጨረታ ንምሻጥ ብ2015 ዝተኸፍተ ድረ ገጽ ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ ፍትሒ ዩክሬይን ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ 506 ሚሊየን ዶላር ኣቑሑት ተሸይጦም እዮም ይብሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ብጉምሩክ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ንዘኽታማት፣ ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ብናጻ ክወሃብ ከም ዝገበረ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።