እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክሬይን፡ ደቂኣንስትዮ ብ’ሂል’ ጫማ ወተሃደራዊ ምርኢት ከካይዳ’የን ምባሉ ቁጠዐ ፈጢሩ
ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ዩክሬይን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት ‘ታ ሃገር፡ ካብቲ ዝተለምደ ወተሃዳረዊ ኣከዳድና ወጻኢ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ፡ ነዊሕ ቀጢን መርገጺ ዘለዎ ጫማ [ሂል ] ገይረን ወተሃደራዊ ምርኢት ከካይዳ እየን ምባሉ፡ ቁጥዐ ፈጢሩ።
ተወካሊ ተቓዋሚ ኣባል ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዝኾነ ኢርያና ጌራሽቸንኮ፡ ‘እዚ ማዕርነት ጾታ ዘርኢ ዘይኮነስ ጾታዊነት እዩ’ ክብል ነቒፍዎ።
ኣባል እታ ዝፈረሰት ‘ሕብረት ሶቬት’ ዝነበረት፡ ዩክሬይን፡ መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ ንምኽባር እያ ኣብ መጻኢ ወርሒ ብወተሃደራዊ ምርኢት ዝተሰነየ ክተኽብሮ ተሸባሸብ ኣላ።
ሚኒስትር ምክልኻል እታ ሃገር ግን፡ እቲ ሂል ጫማ ኣካል እቲ ወተሃደራዊ ኣከዳድና ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
እዚ ዘይልሙድ ውሳነ እቲ ሚኒስቴር፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ስንባደ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተወከሉ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ፡ እቲ ሚኒስቴር ፡ አንድሪ ታራን፡ ብዕሊ ንህዝቢ ይቕሬታ ክብል ሓቲቱ ።
ቪታሊ ፖርቲንኮቭ ዝተብሃለ ጋዜጠኛ፡ “ብሂል ጫማ ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣዝዩ ነውራም እዩ” ዝበለ ኾይኑ፡ ገለ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ነቲ ቀደም ዝተረፈ ናይ ማእከላይ ዘበን ኣመለኻኽታ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።
እቲ ኣባል ተቓዋሚ ቤት ምኽሪ፡ ኢርያና ጌራሽቸንኮ ብወገኑ፡ ገለ ወተሃደራት ሂል ጫማ ገይረን ዘርኢ ኣሳእል ምስ ወጽኣ ቀልዲ መሲለዎ ከምዝነበረ ይዛረብ።
እቲ ተወካሊ ከምዝብሎ፡ እዚ ማዕርነት ዘርኢ ዘይኮነስ ጾታዊነት ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ሚኒስትር ምክልኻል ስለምንታይ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ‘ጫማ’ ምንዳፍ ዘይከኣለ ክብል ይሓትት።
ዩክሬይን ነበር ኣዛዚት ሰራዊት፡ ማሪያ ቤርሊንስካ ብወገና፡ “ወተሃደራዊ ምርኢት ብርተዐ እቲ ሰራዊት ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ ከኸውን ዘለዎ፡ እዚ እኒሪኦ ዘለና ግና፡ ስምዒት ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰራዊት ንምልዕዓል ዝዓለመ እዩ ዝምስል” ኢሉ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኦሌና ኮንድራትዩክ ከምዝበሎ፡ ብሩስያን ዩክረየንንነ ዝደገፉ ተነጸልቲ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ልዕሊ 13500 ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈን እየን።
ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ ብዝሒ ኣባላት ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 31 ሽሕ እንትኸውን፡ ካብ መንጎአን ልዕሊ 4 ሽሕ ዝኾና ልዑል ወተሃደራዊ መዓርግ ዘለዎን እየን ተባሂሉ።