ወጥሪ ሩስያ-ዩክረይን፡ ኣመሪካን ሩስያን ብጉዳይ ዩክረይን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ተሰሓሒበን

ኣብቲ ኣመሪካ ብዛዕባ ምዕስካር ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክረይን ዝምልከት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ክዝተየሉ ብዘቕረበቶ ጠለብ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ልኡኻት ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዮም።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ምስንቅስቓስ ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶባት ዩክረይን ኣውሮጳ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝርኣየቶም ዝኸፍኡ ስግኣታት ከምዝኾነ ገሊጻ።

ሩስያዊ መዘነኣ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ናብ ጽላለ ዘድሃበ ምጡቛስን፡ ተቐባልነት ዘይብሉ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ኢዳ ተእቱ ምህላዋን ገሊጹ።

ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እንተኣንቒዳ ተወሳኺ እግዳታት ክገብራላ ከምዝኾና ቃል ኣትየን ኣለዋ።

ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ እቶም ምስ መንግስቲ ሩስያ ቅርበት ኣለዎም ዝብሃሉ ናይ ውልቅን ናይ መንግስትን ዝርከብዎም ዝርዝር ወጺኡ፡ እግዳ ዝግበረሎም ሕጋጋት ወጺኡ ምህላዎ ገሊጻ።

ኣመሪካ'ውን ብተመሳሳሊ ናብ እገዳ እንተተሰጋጊሩ እቶም ኣብ እገዳ ዝግበረሎም ትካላት ሩስያ ኣብ ዓለምለኻዊ መስርሓት ፋይናንስ ምሉእ ንምሉእ ክዕገቱ ምኳኖም ፈኪራ ኣላ።

ሩስያ ኣስታት 100 ሽሕ ሰራዊት፡ ታንክታት፡ ከበድቲ ብረታትን ሚሳኤላትን ናብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ ከባቢታት ኣጸጊዓ ምህላዋ'ዩ ዝግለጽ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣምባሳደር ሩስያ ቫሲልይ ነበንዘያ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ክትፍጽም ዝብል መደምደምታ ዝኾነ መርትዖ ዘይብሉ ከምዝኾነን እቲ ዝብሃል ብሕቡራት ሃገራት ዘይተረጋገጸ ከምዝኾነን መዲሩ።

እቲ ኣምባሳደር ብምስዓብ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ዶባታ ትገብሮ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ንኣመሪካ ከምዘይምልከታ ገሊጹ።

ሩስያ ነቲ ኩፉት ኣኼባ ባይቲ ጸጥታ ንኸይካየድ'ኳ እንተጸዓረት ካብተን 12 ኣባላት እተን 10 ይካየድ ስለዝበላ'ዩ እቲ ኣኼባ ክካየድ ክኢሉ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ቫሲልይ ነበንዘያ "ምምሕዳር ጆ ባይደን ምትኵታኽ የብዘሕን ነቲ ዘሎ ወጥሪ የጋድዶን" ከምዘሎ ከሲሱ።

ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ብወገና፡ እቲ ወጥሪ ዲፕሎማስያዉ ፍታሕ ክህልዎ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኾነ ሓይሊ እንተተጠቒማ ግን ኣብ ሩስያ ዝኸፈአ ነገር ክስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ብምስዓብ "ኣብዚ ንዘራረበሉ ዘለና ህሞት ሩስያ ተወሰኽቲ ሰራዊት ናብ ዶባት ተዋፍር ኣላ" ድሕሪ ምባል፡ ሩስያ ናብ ዶባት ቤላሩስን ናብ ሰሜናዊ ክፋል ዶባት ዩክረይን 30 ሽሕ ሰራዊት ተጸግዕ ምህላዋ ሓቢራ።

እዚ ከምዚ ኢሎ እንከሎ፡ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ብዲፕሎማስያዊ መንግዲ ንምፍትሑ ጻዕርታት ይካየዱ ኣለዉ።

ትማሊ ሰኑይ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮንን ብተሌፎን ዝገበርዎ ዘተ ሓደ ካብቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ምዃኑ ተገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ ሎሚ ሰሉስ'ውን ጽሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ መዘንኡ ሩስያዊ ሰርጌ ላቭሮቭ ክዘራረቡ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ እቲ ወጥሪ ናይ ዩክረይን ዝሃድኣሉ ኢላ ንዘውጽኣቶ ውጥን ካብ ሩስያ ንዘተ ድልውቲ ምዃና ዝሕብር መልሲ ከምዝመጽኣ ገሊጻ ኣላ።

ሩስያ ከም ቅድመ ኩነት ተቕርቦ፡ ዩክረይን ኣባል ኪዳን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ከይትኸውን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ኣመሪካ ብወገና ንጠለብ ሩስያ ናብ ዘተ ዘይቐርብ ንጹግ ሓሳብ ምዃኑ'ያ ትሕብር።

ሩስያ፡ ኣመሪካ ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብአን ንኣባላት ሕብረት ሶቬት ነበር መዳውብቲ ሩስያ ዝኾና ሃገራት ሉትዌንያ፡ ላቲቭያን ኢስቶንያን ዝሓቐፈ 30 ኣባላት ሃገራት ዘለዉኦ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንውሽጣዊ ጉዳያታ ከምስግኣት'ያ ትሓስቦ።

ሩስያ ኣብ 2014 ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክረይን ዝርከብ ሓውሲ ደሴት ክረምያ ከምዝተቆጻጸረቶ ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ዞባ ዶንባስ ኮይኖም ኣንጻር ዩክረይን ዝቃለሱ ዘለዉ ዕጡቓት'ውን ትድግፎም እያ።