እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ዩክረይን፡ ጆ ባይደን ዜጋታት ኣመሪካ ቀልጢፎም ካብ ዩክረይን ክወጽኡ ተማሕጺኑ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወተሃደራዊ ሓይሊ ክትጥቀም ዘሎ ተኽእሎ እናዛየደ ይኽይድ ስለዘሎ፡ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ብቅልጡፍ ክወጽኡ ጸዊዑ።
ጆ ባይደን ብምስዓብ፡ ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ፡ ኣመሪካ ንዜጋታታት ንምውጽእ ኢላ ወተሃደራታ ከምዘይትልእኽ'ውን ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ "ቀልጢፉ ናብ ዝኸፈአ ክዓርግ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ሩስያ፡ ኣብ ዶብ ዩክረይ ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ኣጸጊዓ ከምዘላ'ዩ ዝግለጽ፡ ንሳ ግን ንዩክረይን ንምውራር ዝኾነ ሃቐነ ከምዘይብላ'ያ እትገልጽ።
ሩስያ ምስ ጎሮቤታ ቤላሩስ ወተሃደራዊ ልምምድ ትገብር ከምዘላ'ያ ትገልጽ። ዩክረይን ግን፡ ሩስያ ናብቲ ጸሊም ባሕሪ ዘራኽባ መስመር ዓጊታ ሒዛቶ ከምዘላ'ያ ትገልጽ። ሩስያ፡ እታ ኣባል ሕብረት ሶቬት ዝነበረት ዩክረይን፡ ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንኸይትኸውን ኩሉ ዝክኣላ ከምእትገብር እያ ትሕብር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ትማሊ ሓሙስ ንቅልቅላው እቲ ዞባ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣውሮጳ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝዓበየ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ምህላዉ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ መደበር ዜና ኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣመሪካውያን ሕጂ ካብታ ሃገር [ዩክረን] ክወጽኡ ኣለዎም" ኢሉ።
"ምስታ ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ሓንቲ ካብ ሓያላት ዝኾነት ሃገር ኢና ንፋጠጥ ዘለና፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ፡ ኩነታት ብቅልጡፍ ናብ ዝኸፈአ ነገር ክዓርግ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ኩነታት እንተኸፊኡ ኣመሪካ ዜጋታት ካብ ዩክረይን ንምውጻእ ወተሃደራት ናይ ምልኣኽ ውጥን እንተሃልይዋ ጆ ባይደን ኣብ ዝተሓተተሉ "ዋላ ሓንቲ ውጥን የብልናን፡ ኣመሪካን ሩስያን ኩታኾሳ እንተጀሚረን ኩናት ዓለም ክኸውን'ዩ" ብምባል ዓለም ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረቶ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ከምእትርከብ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።
ሩስያን ዩክረይን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበኦ ናይ በበይነን መግለጺ፡ ብመንግዲ መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን ነቲ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዝገበረኦ ጻዕሪ ፍረ ከምዘይተረኸቦ ኣተንቢሀን።
ዋና ጽሓፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ጀን ስቶልተንበርግን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ዓለም ነቲ ሩስያ ንዩክረይን ንምውራር ሃቐነ የብለይን ትብሎ ክትኣምን ከምዘይብላ ኣስሚሩሉ።
ኩናት እንተጀሚሩ ብሪጣንያ ወተሃደራት ብምልኣኽ ንዩክረይን ናይ ምሕጋዝ ውጥን እንተሃልይዋ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ቦሪስ ጆንሰን "ተኽእሎ ኣሎ" ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ምስ መዘንኡ ኢንግሊዛዊት ሊዝ ትሩስ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ብሪጣንያ ትወስዶ ዘላ ስጉምትታት 'ዘቀያይም'ዩ' ብምባል ንሕሉፍ ርክባት ዓባይ ብሪጣንያን ሩስያን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዝነበሮ ገሊጹ።
ሚኒስትር ሊዝ ትሩስ ሩስያ "ዝሑል ኩናት ትኸፍት ኣላ" ብምባል እያ ትኸሳ።