ኣመሪካ ንሩስያ ናብ ኵናት ከተእትዋ ህርዲግ ትብል ኣላ፡ ቭላዳሚር ፑቲን

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቱን ኣመሪካ ንሃገሩ ናብ ኵናት ዩክረይን ከተእትዋ ህርዲግ ትብል ምህላዋ ከሲሱ።

እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ቅልውላው ድሕሪ ሳምንታት ኣብ ዝሃቦ ፈላሚ ርእይቶ፡ ኣመሪካ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ከም ምኽንያት ተጠቂማ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳታት ንምንባር ትሰርሕ ምህላዋ ገሊጹ።

ንሱ ብምስዓብ፡ ኣመሪካ፡ እቲ ሩስያ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣብ ኣውሮጳ፡ ዘለዋ ስክፍታ ወትሩ ዕሽሽ ከምእትብሎ ገሊጹ።

ሰራዊት ሩስያ ናብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳውቦም ቦታታት ብብዝሒ ክዓርዱ ምስ ጀመሩ እቲ ወጥሪ ክጋደድ ከምዝጀመረ እዩ ዝግለጽ።

ሩስያ ብታንክታት፡ ከበድቲ ብረታት፡ ሚሳኤላትን ነፈርቲ ውግእን ዝተሰነዩ ኣስታት 100 ሽሕ ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣጸጊዓ ከምዘላ'ዩ ዝግልጽ።

ሩስያ ግን ነቲ ብምዕራባውያን ሃገራት 'ንዩክረይን ክትወራ'ያ' ዝብል ክሲ ኣሉታዊ መልሲ እያ ትህበሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮልደይምር ዘለንስኪ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቢ መግለጺ፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እንተፈቲና "እቲ ኵናት ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ሩስያን ኣይኮነን ክኸውን፡ ንመላእ ኣውሮጳ ናብ ምሉእ ኵናት ዝሸምም'ዩ ክኸውን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሁንጋሪ ቪክተር ኢርባን ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ምዝርራቡ "ኣነ ከምዝመስለኒ ኣመሪካ ብዛዕባ ጸጥታ ዩክረይን ኣይኮነትን ትግደስ፡ ድሌት ኣመሪካ ቁጠባዊ ግስጋሰ ሩስያ ምቁጻይ'ዩ፡ ንዩክረይን ኸኣ ነዚ ንምግባርያ ከም መሳርሒ ትጥቀመላ ዘላ" ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር እንተፈጺማ ምዕራባውያን ሃገራት ክወስድኦ ዝኽእላ ስጉምቲ እንታይ ይመስል?

እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያን ፑቲንን

ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ክትፍጽም እንተኾይና ዝተፈላለዩ እገዳታት ከንብሩላ ከምዝኽእሉ መጠንቀቕታት ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

እተን ምዕራባውያን ሓያላን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያን መራሒኣን ከንብርኦም ዝኽእሉ እገዳታት ብወግዒ'ኳ እንተዘይተፈለጡ፡ ተንተንቲ ግን ዝስዕቡ ማዕቐባት ክድንገጉ ከምዝኽእሉ ይገልጹ።

ገደባት ዝውውር ገንዘብ

ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክድንገጉ ዝኽእሉ ማዕቐባት እቲ ሓደ ንሞስኮ ካብቲ "ስዊፍት" ብዝብል ዝፍለጥ ስርዓት ዝውውር ገንዘብ ምእጋድ እዩ ዝኸውን።

ስዊፍት ልዕሊ 200 ሃገራት ዝጥቀማሉ ናይ ገንዘብ ዝውውር ስርዓት እዩ።

ሩስያ ካብዚ ስርዓት እንተተኣጊዳ፡ ባንክታታ ምስቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ባንክታት ናይ ገንዘብ ዝውውራት ከፈጽሙ ናብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ኣትዮም ማለት'ዩ።

ኢራን ኣብ 2012 ተመሳሳሊ ማዕቐብ ተነቢሩላ ነይሩ። ሽዑ ብሰንኪ እቲ ማዕቐብ ካብ ዕዳጋ ነዳዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ገንዘብ ከይኣከበት ከምዝተረፈት ይግለጽ።

ገደብ ዶላር

ሩስያ ንዶላር ከም መተዓዳደጊ ከይትጥቀም ብመንግስቲ ኣሜሪካ ክትኽልከል ትኽእል'ያ። ዶላር ኣይትጥቀምን እንተተባሂላ ድማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ባንክታት፡ ምስቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ባንክታት ብዶላር ዝውውር እንተፈጺሞም መቕጻዕቲ'ዩ ዝጽበዮም።

በዚ ምኽንያት ከኣ ሩስያ ምስ ዓለም ዝህልዋ ናይ ምትዕድዳግ ዕድል ዝተገደበ ይኸውን። ሩስያ ናብ ዕዳጋ ዓለም እተቕርቦ ጋዝ መሸጣ ብዶላር ኣሜሪካ ዝፍጸም ብምዃኑ፡ ኣብ ቁጠብኣ ዝፍጠር ኣሉታዊ ጽልዋ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኸውን ይግመት።

እገዳ ባንክታት

ኣሜሪካ ንባንክታት ሩስያ ናብቲ ጸሊም መዝገብ እትብሎ ዝርዝር ክተስፍሮም ትኽእል'ያ። እዚ ማለት ከኣ ዝኾነ ይኹን ኣካል ምስ ባንክታት ሩስያ ርክብ ከይህልዎ ከም ምግባር ይቑጸር።

ኣብ ሩስያ'ውን ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ከኸትል ይኽእል።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ባንክታት ሩስያ ክተንብሮ እትኽእል ገደብ ዘኸትሎ ጉድኣት ኣብታ ሃገር ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። እኳ ደኣስ ገንዘቦም ኣብ ባንክታት ሩስያ ዘቐመጡ ሃብታማት'ውን ከምዝጽለዉ ምግማት ይከኣል።

ካብቶም ዝተጠቐሱ ገደባት ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ናብ ካልኦት ሃገራት ሰደድ እትገብሮም ነገራትን መሸጣ ጸዓትን እውን ማዕቐባት ክግበሩ ከምዝኽእሉ ተንተንቲ ይገልጹ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፑቲንን ካልኦት ኣብ ዙርይኡ ዘለዉ ብጾቱን ማዕቐባት ክድንገጉ ይኽእሉ። ኣብ ልዕሊ ንብረቶም ከምኡ'ውን ዝገብርዎም መገሻታት እገዳ ክግበሩ ከምዝኽእሉ ይግመት።