ቅልውላው ዩክሬን፡ ምእንቲ ውላደይ፡ ንመን እየ ኽጠርዕ?

ሩስያ ንዩክሬን ኣብ ዝወረረትሉ፡ ሓሙስ 24 ለካቲት፡ ኣብ ፌስ ቡክ ቫለሪ ዛሉዝኒ ዝተባህለ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክሬን፡ ስእሊ ክልተ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ሩስያ ዝተኸድኑን፡ 'ምሩኻት እዮም' ዝተባህሉን ሰባት ተጠቂዑ ተራእየ።

ሽዑ እያ ድማ ናታልያ ዲነካ፡ 'ራፊቕ ራኽማንኮሎቭ' ዝተባህለ ወዳ ኣብቲ ኲናት ከም ዝኣተወ ዝተዛረበት።

ጓል 40 ዓመት ናታልያ፡ ብዛዕባ'ቲ ስእሊ ሓፍታ ከም ዝነገረታ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመጠይቕ ገሊጻ።

ናታልያ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኵነታት ራፊቕ ርጕጽ ሓበሬታ ኣይረኸበትን።

"ካብ ኣሃዱኡ ንሓደ ሓላፊ ኣዘራሪበ ነይረ፣ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ድማ ነጊረዮ፡" ትብል።

"ኣሃዱታት ጸረ-ስለያ፡ ብዛዕባ ራፊቕ ኣጻርዮም፡ ተማሪዅ ድዩ ወይስ ኣይተማረኸን ከረጋግጹልና እዮም። ክሳብ ሕጂ ግን ዝዀነ ጭብጢ ኣይረኸብናን ኢሉኒ።"

እንተዀነ፡ ገለ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሩስያ፡ እቲ ኣብ ውትህድርና ካብ ዝኽተብ ሓደ ዓመት ዘይመልአ ወዲ 19 ዓመት ራፊቕ፡ ናብ ግንባር ዩክሬን ከም ዝኸተተ ኣይከሓዱን።

'ናብኡ ክወስድዎም ምዃኖም ግን ዋላሓንቲ ኣምር ኣይነበሮን።'

ኣባል ኣሃዱ ታንከኛ ዝዀነ ወተሃደራዊ መሃንድስ ራፊቕ፡ ኣብቲ ወራር ክኣቱ ምዃኑ ግምት'ውን ከምዘይነበሮ፡ ናታልያ ትገልጽ።

"ኣይፈለጠን ነይሩ፡ ኣብኡ ምስ በጽሐ ጥራይ እዩ ተረዲእዎ።"

ራፊቕ ንመወዳእታ ግዜ ነደኡ ዘዘራረበሉ፡ ኣሃዱኡ ኣብ ዶብ ዩክሬን ዓስኪራ ምንባራ ዝነገረሉ፡ ረቡዕ 23 ለካቲት እዩ ነይሩ።

"እንታይ ደኣ ከም ዝተንቀሳቐስኩም ዘይትነግረኒ እንተበልክዎ፡ 'ከይትሻቐሊ ኢለ እየ፣ ኵነታት ድማ ርጉእ እዩ'ኮ ዘሎ ኣይትሸገሪ' ኢሉኒ" ትብል ናታልያ።

ኣሳእል ናይቶም ምሩኻት፡ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ክዘውር ምስ ጀመረ፡ 'Russia-24' ዝተባህለ መደበረ ተለቪዥን ሩስያ፡ 'ስኑዕ ዜና' ክብል ነጺግዎ።

ቀዋሚ ኣታዊ

ናታልያ ከም ዝገለጸቶ፡ ን'ኮሚቴ ኣደ ወተሃደራት' ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ሩስያ ወሲኽካ ንዝተፈላለዩ ትካላት ብዛዕባ ሃለዋት ወዳ ኣዘራሪባ እያ።

"ኵሉ መረዳእታ ወሶዶም፡ ዘምጽእዎ መልሲ ግን የለን፡"

"እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን። ዛዕባ ምምራኽ ደቅና ኣመልኪተን መራኸቢ ብዙሃን ዝበልኦ የለን፣ ወይ'ውን ኣይፈልጣን እየን።"

ራፊቕ ኣብ ሰነ 2021 ብሓይሊ ወተሃደር ክኸውን ከም ዝተመልመለ፣ ብሕጊ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወፍሪ ክሳተፍ ዘይግባኦን ምዃኑ፣ ኣደኡ፡ ናታይላ ትገልጽ።

እንተዀነ ሊልያ ዝተባህለት ዓርኩ፡ "ራፊቕ፡ 'ሓዳር ክገብር ምእንቲ ክሕግዞ ኢሉ፡ ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣትሒዙ ናብ ምዱብ ሰራዊት ሰጊሩ፡" ኢላ ንቢቢሲ ሓበሬታ ሂባ ነይራ።

ውትህድርና ገንዘባዊ ውሕስነት ዝፈጥር ስራሕ ምዃኑ ርእዩ፡ ራፊቕ፡ ካብቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ሕርሻ፡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ እዩ ተኸቲቡ።

"ሎሚ ኣብዚ ሃገር ስራሕ ዝበሃል የለን፣ ሰራዊት ግን እዅል ደመዎዝ እዩ ዝኽፈሎ፣ ገዛ'ውን ትወሃብ ኢኻ፡" ትብል ናታልያ። "ወደይ ንሞያው ውትህድርና ፋዕራ ኣይነበሮን። እንተዀነ ውትህድርና፡ ልክዕ ዝነበረካ ጸገማት ቅንጥጥ ኣቢሉ ናብ ንቡር ሂወት ክትምለስ ዘኽእል ቀዋሚ ኣታዊ ክትረኽበሉ እትኽእል ሓደ ዕድል እዩ - ኣብ ሩስያ።" ተረጋግጽ ናታልያ።

ራፊቕ ሓደ ካብ ሰለስተ ደቃ ክኸውን እንከሎ፣ መጻምዳ ድማ ሰለስተ [ናይ በይኑ] ውሉዳት ኣለውዎ።

'ወደይ ብገዛእ ድሌቱ ኣይከደን፡'

ብዛዕባ ወራር ሩስያ ምስ ተሓተተት፡ ናታልያ፡ ፖለቲካ ዝበሃል ከምዘይትከታተልን ዜና ከም ዘይትርእን እያ ተዛሪባ።

"ሓቂ ክዛረብ፡ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ'ውን ኣይርድኣንን እዩ፣ ኣብዚ ሃገር፡ ፈጺሙ ዝብላዕ ዘይብሎም ዜጋታት እናሃለው፡ ውግእ ይዅን ወተሃደራዊ ስርሒት ንምንታይ ከም ዝካየድ ኣይርድኣንን እዩ።"

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብዛዕባ ወዳ፡ ኣብቲ ኲናት ምስታፉን፣ ብፍላይ ከኣ ንእኡን ንኻልኦት ብዩክሬን ዝተማረኹ ወተሃደራት ሩስያን ዝወርዶም ዘሎ ዘለፋን ምፍርራሕን፡ እንክትርኢ ጸቕጢ ከም ዝፈጥረላ ብሩህ እዩ።

"ወደይ እኮ ብገዛእ ድሌቱ ኣይኰነን ናብቲ ኲናት ኣትዩ፣ እቲ ሓላፊ'ቲ ኣሃዱ እዩ ሰዲድዎ" ኢላ ትምጕት።

"ንምንታይ? እንድዒ! ኣነ ክምልሶ ዝኽእል ኣይኰነን። ኣነ ይዅን ወደይ ዝደለናዮ ነገር'ውን ኣይኰነን።"

"ወደይ ንኽምለስ ግን ኣየናይ ማዕጾ እየ ክዅሕኩሕ?" ትሓትት - ናታልያ ዲነካ።