'እቲ ነትጕ ሚሳይል፡ ርችት'ዩ መሲሉኒ ነይሩ' ኢትዮጵያዊት ካብ ዩክሬን

ኣብ ኪየቭ ርእሰ ከተማ ዩክሬን እትመሃር ዘላ ኢትዮጵያዊት፡ እቲ ሩስያ ናብታ ከተማ ዝተተኰሰቶ ሚሳይል፡ "ርችት መሲሉኒ ነይሩ፣ ኣብዚ ዓዲ ርችት ምትኳስ ልሙድ እዩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ተቐማጢት ኪየቭ ኢሌኒ ኣብሮም ትማሊ ሓሙስ ወጋሕታ ካብ ድቃሳ ዝተበራበረት እቲ ካብ ሩስያ ዝተተኰሰ ሚሳይል ዘስዓቦ ድምጺ ምዃኑ ገሊጻ።

ተቐማጦ ኪየቭ ብመጥቃዕቲ ሩስያ ተሰናቢዶም ከምዘለው ዝሓበረት ኢሌኒ፡ "እቲ ዘሎ ኵነታት ኣመና ዘፍርሕ'ዩ። ዜጋታት ዩክሬን ሳንጣኦም ጠርኒፎም ይወጽኡ ኣለዉ። ንሕና ድማ ናበይ ከምእንኸይድ ጨኒቝና'ሎ። ኣገልግሎት መጓዓዝያን 'ሱፐርማርኬትን' የለን። ኣገልግሎት ባንክ ክትረክብ ነዊሕ ሪጋ ክትጽበ ኣለካ። ኣብ ርእሲኡ ንናይ ባዕሎም ዜጋታት እዮም ዘቐድሙ። ወዲ ካልእ ዜጋ ምዃን ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡" ክትብል እቲ ዘሎ ኵነታት ኣሻቐሊ ከምዝዀነ ሓቢራ።

ሩስያ ካብ ትማሊ ንግሆ ጀሚራ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝጀመረት ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ሩስያ ኣብ ኪየቭን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላት መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈጺማ።

ኣብ ዩክሬን ተመሃሪት ከምዝዀነት እትገልጽ ኢሌኒ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዘይምህላዉ ከም ተመሃሮ ካልኦት ሃገራት እኹል ሓበሬታን ሓገዝን ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ገሊጻ።

"ኣብዚ ዋላ ሓደ ዝከታተለና ኣካል የለን፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ እዩ ዘሎ። ደቂ ካልኦት ሃገራት ካብ ኤምባሲኦም ዝተነግሮም ሰሚዕና። ኤምባሲታት ንዜጋታቶም 'ውጽኡ' ክብላ ቀንየን። ንዓና ግን ሃንደበት እዩ ኰይኑና ዘሎ፡" ኢላ።

ኣብ ኪየቭ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን'ኳ እንተዘየለዉ ውሑዳት ትምህርቶም ዝከታተሉ ከምእትፈልጥ ግን ሓቢራ'ላ።

"ኪየቭ ሰላም ዘይክትከውን ስለእትኽእል ሌቪቭ ናብ ዝተባህለት ዝቐረበት ከተማ ፖላንድ ዝኸዱ ኣለዉ። 'ካብ ሃጺጽካ ምኻድ ኣብዚ ምጽናሕ ይሓይሽ' ኢሎም ኣብ ኪየቭ ዝጸንሑ' ውን ኣለዉ።"

ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ናብ ሌቪቭ ከምዝኸዱ ዝገለጸት ኢሌኒ፡ ንሳን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኪየቭ ከምዝተረፉን ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ነገር ይጽበይዎ ከምዘለዉ ትገልጽ።

መጥቃዕቲ ሩስያ ኣመና ዘሻቐሎም ዩክሬናውያን'ኳ እንተለዉ፡ ብኣንጻሩ ብዙሕ ዘየገደሶም ከምዘለዉ ትዕዝብታ ኣካፊላ።

እቲ ኲናት ኣቐዲሙ ትጽቢት ዝተገበረሉ ስለዝነበረ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ዲፕሎማሰኛታቶምን ዜጋታቶምን ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ካብ ቅድሚ ሒደት መዓልታት መምርሒ ክህቡ ጸኒሖም እዮም።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝወልዓቶ ኲናት ንምዕራባውያን ሃገራት ኣቘጢዑ እዩ። በዚ ምኽንያት እተን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ እንተተሸሚመን ንኤውሮጳ ጥራይ ዘይኰነ ንመላእ ዓለም ናብ ከቢድ ቅልውላው ከእቱ ከምዝኽእል ተሰጊኡ'ሎ።