እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነበርቲ ተነጸልቲ ክልላት ዩክረይን ንምንታይ'ዮም ሓጎሶም ገሊጾም?
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ተነጸልቲ ክልላት ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን መግለጺ ምስሃበ ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ታሕጓሶም ገሊጾም። ፑቲን ነተን ክልላት ከም ሉኣላውያን ሃገራት ኣፍልጦ ሂቡ።